፫/3 ጥሪ ቅትለት ሕፃናተ ቤተ ልሔም

፫/3 ጥሪ ቅትለት ሕፃናተ ቤተ ልሔም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

፫/3 ጥሪ ቅትለት ሕፃናተ ቤተ ልሔም

ንሳቶም ምስ ከዱ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣ ብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፥ “ሄሮድስ ነዚ ሕፃን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንሥእ፡ ነዚ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ህደም፥ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ” በሎ። ዮሴፍ ድማ ተንሢኡ ነቲ ሕፃንን ንኖኡን ኂዙ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ዝበሎ ምእንቲ ኪፍጸም ድማ

ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሐ።(ማቴ.2፥13-15)

ሰብኣ ሰገል ኮኾብ ብምብራቕ ርእዮም በቲ ኮኾብ ተመሪሖም ናብ ቤተ ልሔም ምስ በጽሑ ንጐይታ ምስ እንኡ ረኺቦም ሰጊዶም ወርቂ፡ ዕጣን፣ ከርቤ ገጸ በረኸት ሂቦም፡ ሄሮድስ ብተንኮሉ ከም ዝነገሮም ዘይኮነስ; ብሕልሚ ካብቲ መልኣኽ ከም ዝተረድእዎ ብካልእ መገዲ፡ ብኻልእ ሓይለ ቃል ብኻልእ ሃይማኖት ተመሊሶም። ነቲ በቲ ካልእ ጐደና ንክልተ ዓመት ዝተጓዕለዎ ድማ ብኣርባዓ መዓልቲ ተጓዒዞም። ብኻልእ ሓይለ ቃል “ኣበይ ኣሎ” እናበሉ ዝመጹ “ረኺብናዮ” ኢሎም ብኻልእ ሓሳብ “ንጉሥ ኣይሁድ እዩ” እናበሉ ዝመጹ “ኣምላኽ እዩ” እና በሉ እዮም ተመሊሶም።

ሄሮድስ ድማ እቶም ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጽሉ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተቖጥዐ እሞ፡ ንጐይታና ዝረኸበ መሲልዎ 144,000 ናይ ቤተ ልሔም ሕፃናት ቀተለ። ሽዑ ጊዜ እቲ ብነቢይ ኤርምያስ “ኣብ ራማ ድምጺ ዋይዋይታ እወ ድምጺ መሪር ብኽያት ተሰምዐ፡ ደቃ ስለዝተወድኡ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፡ ሞይቶም እዮም እሞ ምጽንናዕ ኣበየት” ዝተባህለ ተፈጸመ (ኤር 31፡15) ።

ቅዱስ ማቴዎስ እቲ ብነቢይ ዝተነግረ ትንቢት ንምልዓልን ናይ ራሄል ብኸያት ምጥቃስ ዘድልዮ ንምንታይ እዩ እንተተባህለ፡

ሀ. ነቢያት ናይቲ ዝመጽእ ጊዜ ዝንበዩ እዮም። ናይቲ ዝፍጸም ነገራት ኣቐዲሞም ዝገልጹ ብሙኻኖም፡ እቲ ትንቢት ምብጹሑን ምፍጻሙን ንምርግጋጽ ምስ ናይቲ ነቢይ ትንቢት ንምምስኻር እዩ።

 ንራሄል ምጥቃስ’ከ ንምንታይ ኣድለዮ፥ እንተበልና

ቅዱስ ማቴዎስ ናይ ልያ ስም ከየልዓለ ኣብዚ ናይ ሕፃናት ሕልቂት ናይ ራሄል ስም ብምልዓል ኃዘናን ብኽያታን ገሊጹ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፥

 

ለ, ግፍዒ ምስ ግፍዒ ንምንጽጻር እዩ፥

እስራኤላውያን ኣብ ግብጽ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ ራሄል ዝተባህለት ነፍሰጾር ሰበይቲ ኖራ ከተብዕጥ ተኣዘዘት። ተገዲዳ እናኣብዓጠት ከላ ማንታ ሕፃናት ተገላገለት እሞ ሰንቢዳ ደው በለት። እቲ ኃላፊ ግና ናይ ሰብ ሥጋ ንመሬት (ሕጡብ) የትርሮ እምበር እንታይ ከይብሎ ብምባል ብጭካነ ነቶም ዕሸላት ደቓ ምስቲ ጭቃ ኣሕቢራ ከተቖምጥዖም ገደዳ። ራሄል ብመሪር ኃዘን

“ኢሀሎኑ በዝ ሰማይ አምላከ እስራኤል አዶናይ” ኢላ ንብዓታ ናብ ሰማይ  ናብ እግዚኣብሔር ነጸገት። ስለዚ ብመሪር ኃዘን ናብ እግዚአብሔር ትበኪ ስለ ዝነበረት እቲ ኣብ ጊዜ ሕልቂት ሕፃናት ቤተ ልሔም ዝነበረ ብኽያት ምስ ናይ ራሄል ናይ ግፍዒ ብኽያት ንኸናጻጽር ናይ ራሔል ስም ኣልዓለ ( ኤር 31፡13-15)።

 

ጐይታ ንሙሴ ግፍዒ ናይቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ሕዝበይ ኣጸቢቐ ረኣኹ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኹ ኬድኅኖም _ ወረድኩ ዚበሎውን በዚ ምኽንያት እዩ። ዘጸ 3፡1-10፤ ግብ ሓዋ 7፡34። ከምኡውን ብራሄል ንዂለን ኣዴታት ዝወረደ ግፍዒ ንምግላጽ እዩ። ሄሮድስ ንጉሠ ነገሥት ቄሳር፡ ክዳን መግቢ እናሃበ ሕጻናት ኬዕቢ ከም ዝኣዘዘ ገይሩ ኣወጀ፡ በዚ ንኽንያት ዝወለደት ዉሉዳ፡ ዘይወለደት ወዲ ጐረቤት ኂዛ፡ መግቢ ክዳን ክትቅበል ከደት። ሄሮድስ በዚ ምኽንያት 144.000 ሕፃናት ኣቕተለ።

ሕፃናት ቤተ ልሔም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ናይ መጀመርታ ሰማዕታት እዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ “በኹራት” ተባሂሎም ይጽውዑ። ራእ.14፣5

ቅዱስ ዮሓንስ አቡ ቀለምሲስ ብዛዕባ ሕፃናተ ቤተ ልሔም ኣብ መጽሓፉ ብስፍሓት ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾም፦

“እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ።

ከም ደሃይ ብዙኅ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ፡ መሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፡ ንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን።እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም። ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም። ራእ.1፤1-5

ነዚ ንምግላጽ እዩ ምበኣር ናይ ቅዳሴ ማርያም ደራሲ ቅዱስ አባ ሕርያቆስ፡-

” ወበከመ ሰማዕክሙ ዘንተ ቃለ ቅዳሴሃ ለማርያም፡ ከማሁ ያስምዕክሙ ቃለ መሰናቁት ዘሕፃናት። (ነዚ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዳሴ ከም ዝሰማዕኩም ከምኡውን ናይ ሕፃናት ምስጋና የስምዕኩም) ዝበለ፡ ከም ናቶም መከራ ከይተቐበለ ኣብ ደረጃ መዓርጎም ምብጻሕ ኣይክኣሎን እዩ፡ ኣብ ደረጃ መዓርጎም ዘይበጽሕ ድማ መዝምሮም (ምስጋናኦም) ምስማዕ ስለዘይክኣል እዩ ነዚ ዝበል።

 

በረኸት ሰማዕታት ሕፃናተ ቤተ ልሔም የካፍለና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment