6ይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ገብርሔር (እሙን ኣገልጋሊ)

6ይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ገብርሔር (እሙን ኣገልጋሊ)

6ይቲ    ሰንበት  ናይ ዓቢይ ጾም  ገብርሔር   (እሙን ኣገልጋሊ)

      መበገሲ ናይዚ ዕለት እዚ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ብምስላ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ግዜ ስለ እሙን ኣገልጋሊ ኣመልኪቱ ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ።

“ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ክነግድሉ ገንዘብ ዝሃቦም እዩ።ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መኽሊት፡ ነቲ ካልኣይ ክልተ መክሊት፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሂብዎም ገሸ” (ማቴ 25፡14-15) ።

ቀዳማይ፥ ሓሙሽተ መኽሊት ዝሃቦ ኣሎ። ሓሙሽተ መኽሊት ንዝሃቦ ሰብ ረብሓ  ኣለዎ። ክልተ መኽሊት ዝሃቦ ኣሎ፡ ክልተ መኽሊት ንዝሃቦ ረብሓ  ኣለዎ።

ሓደ መኽሊት ዝሃቦ ኣሎ፣ ንሱ’ውን  ከምኡ። ንኹላቶም ከከም ዓቕሞም ሂብዎም  ገሸ። እቲ በዓል ሓሙሽተ መኽሊት ብኡብኡ ከይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መኽሊት ድማ ረብሐ። ከምኡ ድማ  እቲ በዓል  ክልተ መኽሊት ካልእ ክልተ መኽሊት ረብሐ። እቲ ሓንቲ መኽሊት ዝተቐበለ ግና ከይዱ ምድሪ ኲዒቱ ወርቂ ጎይትኡ ሓብአ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን  ከኣ ጎይታ ናይቶም ገላዉ መጺኡ ምስኣቶም ክጸባጸብ ጀመረ። እቲ በዓል ሓሙሽተ መኽሊት ጎይታይ ሓሙሽተ መኽሊት ሂብካኒ ነይርካ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ  መኽሊት ረባሕኩ እና በለ ሓሙሽተ መኽሊት  ኣምጽአ። ጎይትኡ ድማ ጽቡቕ  ኣታ  እሙንን  ሕያዋይን ኣገልጋሊ  ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ  ብዙሕ ክሸመካ  እየ፣ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። እቲ  ክልተ መኽሊት ዝተቐበለ ድማ ቀሪቡ፡ ጎይታይ ክልተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ  እንሆ ከኣ ክልተ መኽሊት ረባሕኩ በለ። ጎይትኡ ድማ ጽቡቕ ኣታ እሙንን  ሕያዋይን ኣገልጋሊ  ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ  ብዙሕ ክሸመካ  እየ፡ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። እቲ ሓደ መኽሊት ዝተቐበለ ድማ ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ  ዘይበተንካዮ እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ  ፈሪሐ ከድኩ፡ ነቲ መኽሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ በሎ። እቲ ጎይትኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ክፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፣ ዘይበተንክዎ  ከም ዝእክብ  እምበኣር ትፈልጠኒ’ዶ ኢኻ፧ ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንኪ ክተእትዎ ይግብኣካ ነይሩ። ኣነ ከኣ ንዝረብሕሉ ሰባት ምሃብክዎም ነይረ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ከኣ  እምበኣርሲ ነቲ መኽሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም  ነቲ ዓሰርተ መኽሊት ዘለዎ ሃብዎ በሎም። ምኽንያቱ ንዘለዎ ዘበሉ ኩሉ ይህብዎ  ይውሰኽዎ እውን፡ ንዘይ ብሉ ግና እቲ ዘለዎ’ውን የግድፍዎ። ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና  ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ ኣብኡ ከኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።

ካልኣይ ፥ በዓል ሓሙሽተ መኽሊት ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዝመሃረ ሰብ እዩ፣በዓል ክልተ መክሊት ድማ  ምጡን ትምህርቲ ተማሂሩ ዝመሃረ እዩ። ንኣብነት  ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ፡ ጳውሎስ ንጢሜቴዎስ ምሂሮም ከም ዘፍረዩ። በዓል ሓደ መክሊት ድማ ፍጹም  ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይምሃረ እዩ። እቲ ፍጹም ትምህርቲ ዝተማህረ ምሂሩ መኺሩ ንዕኡ  ዝመስል ወደ መዝሙር ኣፍረየ። ጎይታ ድማ ጽቡቕ ኣታ ሕያዋይን እሙንን  ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ መንግስተ ሰማያት እቶ  በሎ (ዝተረፈ ንባብ ትርጉሙ ኣይልወጥን)። እቲ ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይመሃረ፡ ጎይታይ መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕካ ብስነ  ልቦና  ፈሊጥኩም መምህር ከይመደብካ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ እትብል  ጨካን ምዃንካ ይፈልጥ እየ። ዓላውያን ነገስታት ከየሳቕዩኒ፡ መናፍቓን ተኸራኺሮም ከይረትዑኒ ስለ ዝፈራህኩ ብዝተመሃርክዎ ትምህርቲ ኣይመሃርኩን፡ ብዝተዋህበኒ ሓላፍነት ኣይሰራሕኩን ማለት እዩ። ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ፡ “ኣብ ቁራጽ ዓለባ ቆጺረ ዘጽናሕክዋ ወርቅኻ እነሃልካ” ክብል ጽሒፍዎ ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦ ሽመት “እንሆ ሽመትካ” ክብል ከሎ እዩ። ጎይታ ግና መሊሱ በሎ መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕኩ፡ ብስነ ኣእምሮ ፈሊጥኩም  መምህር ከይመደብኩ፡ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ ዝብል ጨካን  ምዃነይ ትፈልጠኒ’ዶ፧ ሓላፍነትካ ክተረክብ ምተገብኣካ ነይሩ ኣነ ከኣ ንዘገልግል ምሃብክዎ። ንመላእክቲ ከኣ ናይ መምህርነት መክሊቱ ወሲድኩም ነቲ በዓል ዓሰርተ  መክሊት ወስኽሉ በሎም። ነዚ ሃካይ መምህር ግና ኣውጽእዎ ማለት፡ ማዕርግ ምምህርና ተሪፍዎ ከም  ህዝባዊ ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታው እዩ።

           ትርጉም መኽሊት

1.በዓል ሓሙሽተ መኽሊት

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ በዓል ሓሙሽተ መኽሊት ፍጹም ትምህርቲ  ተማሂሩ ፡ምሂሩ ድማ ንዕኡ ዝመስሉ ሰባት ዘፍረየ ሰብ እዩ። ልክዕ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ  ሰናይ ዝኾነ ቃል ዝተማህረ፡ ስልጣን  ዝተቀበለ እሞ በዚ ዝተዋህቦ ትምህርቲ ምሂሩ ብዝተዋህቦ ስልጣን ከኣ  ሽመትን  ማዕርግን ዝዓደለን ዝሃበን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ፡ ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ሐዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ  ከም ዘፍረዩ እዩ።

  • በዓል ሓሙሽተ መኽሊት፡ ሙሴ ሓሙሽተ ኦሪት ስለ ዝጸሓፈ እዩ።
  • ብኻልኣይ ከኣ በዓል ሓሙሽተ መኽሊት ሊቀ ጳጳሳት እዩ። እዚ ከኣ ብኣንብሮ  እድ  ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ምሻም፡ ቀሳውስትን ዲያቆናትን፡ ምቑራብን ምጥማቕን እዮም። ምኽንያቱ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ማዕርግን ዝተዋህቦ ሓደራን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ። ንምእመናን ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነ እውን  ንዕኡ መሲሎም ነቲ እግሪ ተኸቲሎም ኣብ ጉስነትን ሓላፍነትን ዝመጹ ካብ ዝተሓተ ማዕርግ ናይ ዲቁና ክሳዕ ሊቀ ጳጳሳት ምፍራይን ምምልማልን ናቱ ሓላፍነትን ስልጣንን እዩ። ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ጳጳሳትን ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘለዉ ናይ ቤተክርስቲያን መማህራን ኣቦታትን  ንሐዋርያት መሲሎም ሐዋርያት ዝመስሉ ሰባት ከፍርዩ ምቁጽጻርን ምጉሳይን ናይዚ ላዕላዋይ ተጸዋዒ ናይ ቤተክርስቲያና ዝኾነ ሊቀ ጳጳሳት እዩ፡ እዚ ስለ ዝኾነ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ተመሲሉ ኣሎ። ከምኡ’ውን ሓሙሽተ መክሊት ዝተባህሉ ጥምቀት፡ ተኣምኖ ሓጣውእ (ብሓጢኣትካ ምእማን)፡ ሰማእትነት፡ ብሕትውናን ምንኩስናን እዮም።
  • ሓሙሽተ መክሊት ዝተባህሉ እውን እምነት፡ ደስታ፡ ምሕረት፡ ትዕግስቲ፡ ተስፋ እዮም።

2.በዓል ክልተ መኽሊት

በዓል ክልተ መኽሊት ዝተባህለ ተማሂሩ ምሂሩን መኺሩን ዘፍረየ እዩ። በዓል ክልተ መክሊት ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ምኽንያቱ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ክልተ መልእኽቲ ስለ ዝጸሓፈ እዩ። ከምኡ’ውን ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን ስለ ዝመሃረ እዩ (1ጴጥ 1፡101-12, 2 ጴጥ 1፡19-21)።

ከምኡ’ውን ክልተ መክሊት ዝተባህሉ ጥምቀትን ተኣምኖ  ሓጣውእን(ብሓጢኣትካ ምእማን) እዮም።

በዓል ሓደ መኽሊት

  • በዓል ሓደ መክሊት  ይሁዳ እዩ ከመይ ይሁዳ  ሓንቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ
  • ሊቀ ጳጳሳት ብዓል ሓሙሽተ፡ ቀሲስ በዓል ክልተ መክሊት ክኾኑ ከለዉ  በዓል ሓደ መክሊት  ዝተባህለ ከኣ ዲያቆን  እዩ።
  • ከምኡ’ውን በዓል ሓደ መክሊት ዝተባህለ ጥምቀት እዩ።
  • ብሓሙሽተን  ብክልተን  መኽሊት ዝተመሰሉ ፍጹም ትምህርቲ ዝተማህሩን ዝመሃሩን ብዙሕ ነገር ደኺሞም ላዕልን  ታሕትን ኢሎም  ምሂሮም ንዓኣቶም ዝመስሉ ሰባት ዘፍረዩ ክኾኑ ከለዉ፡ በዓል  ሓደ መክሊት ግና  “ዓላውያን  ብእሳት ከየሳቕዩኒ መናፍቓን ተኸራኺሮም ከይረትዑኒ” ኢለ ፈሪሐ ንሃይማኖተይ (ዝተመሃርክዎ ትምህርቲ) ከይመሃርኩ፡ ከይመኸርኩ ኣብ ልበይ ኣቐሚጠዮ(ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንብረቱ ክሓብእ ከሎ ጉድጓድ ኲዒቱ ዘቐምጦ ማለት እዩ) ብምባል ስለ ሃይማኖቱን እምነቱን ዘይምስክር፡ ንዘይተማህሩ ከኣ ዘይምህር ሰብ እዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓተቶ ግዜ  “ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮ እትእክብ (መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕካ ብስነ  ልቦና  ፈሊጥኩም፣ መምህር ከይመደብካ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ እትብል) ጨካን ምዃንካ ይፈልጥ እየ፡ ነቲ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ዘይሰራሕኩሉ፡ ነቲ ዝተማሃርክዎ’ውን ዘይመሃርክሉስ  እንሆ ዓላውያን ብሰንሰለት ኣሲሮም ናብ እሳት ደርብዮም ሃይማኖተይ ከየኽሕዱኒ

መናፍቓን ከኣ ተኸራኺሮም ምእንቲ ከይረትዑኒ ፈሪሐ ንሃይማኖተይ(እምነተይ) ኣብ ውሽጢ ልበይ  ሓባእክዎ ኣይሰራሕክሉን ኣይተዛረብኩን  እንዳ በለ ዝምልስ እዩ። እዚ ዝሰምዐ ጎይትኡ ከኣ “ኣታ ክፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፣፡ ዘይበተንክዎ ከምዝእክብ  (መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕኩ፡ ብስነ ኣእምሮ ፈሊጥኩም  መምህር ከይመደብኩ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ ዝብል ጨካን  ምዃነይ) ትፈልጠኒ’ዶ፧ ሓላፍነትካ ክተረክብ ምተገብኣካ ነይሩ  ኣነ ከኣ ንዘገልግል  ምሃብክዎ ነይረ። እዚ ዝበሎ ሽመት ሒዝካ፡ ስልጣን ተዓዲልካ እንተኾነ ስራሕ ጸሊእካ ዝኸውን ነገር ስለ ዘየሎ እዩ። እቲ ሽመት ዝተዓደለ፡ስልጣን ዝተዋህበ ሰብ ንሓላፍነቱ  ክሰርሓሉ ግዴታ እዩ። እንተዘይኮነስ  ብዝተዋህቦ ስልጣንን ሽመትን ተሓታቲ እዩ። ስልጣኑን ሽመቱን ኣብ ክንዲ ዝሰርሓሉ፡ ካብ ምስራሕ እንተ ድኣ ተቖጢቡን ስቕ ኢሉን እቲ ዝተዋህቦ ሽመት ኣብ ክንዲ ዝምጎሶሰሉ መፍረዲኡን መኾነኒኡን ይኸውን ንኽብል ዝተዛረቦ ቃል እዩ። ኣብ መጨረሽታ መክሊቱ ኣሕዲግኩም ንኻልእ ሃብዎ ማለቱ፡ ዝነበሮ ማዕርግን ስልጣንን፡ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ተሓዲጉ ከም ተራ  ምእመን ይኹን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ናብ መንግስተ ሰማያት ብምምህርና ማዕርግ ዘይኮነስ ከም ህዝባውያን ኮይኑ እዩ ዝኣቱ ምኽንያቱ  ሃይማኖቱ ስለ ዘይከሓደ። ብኻልእ ወገን “ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ  ኣብኡ ከኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናን ክኸውን እዩ” ዝበሎ።

ቀዳማይ፥ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ “ዝተዋህበኒ ናይ ምምሃር ስልጣንን ሓላፍነትን  ተጠቒመ ላዕልን ታሕትን ኢለ ደኺመ እንተ ዝምህርን ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባት እንተ ዘፍርን ነይረ  ከም ናይ መማህራን ማዕርግ ዘይኮነስ ከም ህዝባውያን ኮይነ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይምኣተኹን” እናበለ ናይ ምስትንታኑ  ምሳሌ ክኸውን ከሎ በቲ ካልኣይ ወገን ከኣ  ሃይማኖቶም ናይ ዝኸሓዱ ናብ ሲኦል ናይ ምእታዎም ምልክት እዩ።

ሓደ መክሊት ንዘለዎ ሰብ ኣሕዲግኩም ነቲ በዓል ዓሰርተ ሃብዎ፣  ምኽንያቱ ንዘለዎ ይውሰኾ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ ዝበሎ ቃል፡ እንሆ እምነት  ሒዙ ምግባር ዘይጸንሖ፡ ካብ ግብሪ ጽድቂ ዝረሓቐ ሰብ ምዃኑ ይነግረና።ነታ ሓንቲ መክሊቱ (እምነቱ) ሒዙ ምግባር ወሲኹ ክነብር እና ተገብኦ እንተኾነ ግን እዚ ብዘይ ምግባሩ  ናብ ክሕደት ዝበጽሕ፣ ሃይማኖቱ ዝገድፍ ሰብ ኮይኑ ናይ ምርካቡ ምሳሌ እዩ። ምኽንያቱ  ዝነበሮ መክሊት “ኣሕዲግኩም ነቲ በዓል  ዓሰርተ ሃብዎ” ምባሉ ሃይማኖትን ምግባርን ኣጣሚሩ ዘይሓዘ  ሰብ ኣብ መወዳእታ ናይ ሃይማኖት ሰብ ኮይኑ ክቕጽል ስለ ዘይክእል እዩ። እምነት ሒዙ ጥራሕ   ብሰንኪ ፍርሒ ኣብ ምግባር ዘይተዋፈረ ሰብ ኣቐዲሙ  ምግባር ጽድቂ ከም ዝገደፎ ሃይማኖቱ’ውን ይገድፍ። ብኻልእ ወገን ካብ እምነቱ እኳ እንተ ዘይዓለወ፡ እንተኾነ ግን ካብ ክፉእ ስርሑ ተመሊሱ ንስሓ እንተ ዘይኣተወን ግብሪ ጽድቂ ክሰርሕ እንተ ዘይጸንሐን፡ ሃይማኖት ጥራሕ ሒዙ ብምጽንሑ ካብ ፍርዲ ዝመልቆሉ መገዲ የብሉን። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ መጨረሽታ በዓል መክሊት ኢኻ ነይርካ ተባሂሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ዘይኮነስ ምግባር ሒዙ ብዘይምጽንሑ  ኣብ ክንዲ ናብ መንግስተ ሰማያት ናብ ገሃንም እሳት  ይኣቱ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ፣ “እምበኣር ስጋ ብዘይ ነፍሲ ምዉቲ ከም ዝኾነት  እምነት’ውን  ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ”  ክብል ጽሒፉ ኣሎ (ያዕ 4፡26)።

ኣብ ብዙሕ ምሻም እንታይ ማለት እዩ፧

በዚ መልክዕ ዝተኣዘዝናዮ እና ተግበርና፡ ዝተዋሃብናዮ መክሊት ክነብዝሕ፡ ስለ ሃይማኖትና እንፈልጦ ዘበለ፡ ዝተመሃርናዮን ዝበጻሕናዮን ኩሉ ሰባት ምእንቲ ክፈልጥዎን ክበጽሕዎን ምጽዓር ናይ ኩላትና  ግዴታ እዩ። ኩሉ ሰብ ነናቱ ዝኾነ ጸጋ ኣለዎ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ በቲ ሓደ  መንፈስ ቅዱስ ዝወሃብን ዝዕደልን በበይኑ ዝኾነ ውህበት ኣሎ። እንተኾነ ነቲ ዝተዋህበና ውህበት ኣለሊና እንጥቀመሉ ክንደዮኖት ንኸውን፧ ብሓቂ ዝተፈላለየ ጸጋ ዝረኸብና ስልጣን  ተዓዲልና ከም መጠን ጸጋናን ዝተዋህበና ስልጣንን እንነብር ሰባት ኣሎና’ዶ፧ ንነፍሲ ወከፍ ርእሱ ክምርምር የድሊ። “ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ” ማለት ኣብ‘ዚ ምድራዊ ሕይወትና እናነበርና ከለና ኣብቲ ዝተዋህበና ጸጋ ጸኒዕና፡ ብሃይማኖትን ብግብርን ክርስቲያን ኮይና ምስ  እንርከብ ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ቦታ ይህልወና፡ ወረስቲ ሰማያዊት ቤት ንኸውን ማለት እዩ። ነዚ ከመልክት እዩ ከኣ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ  እየ ዝበለ ጎይታ። እንተኾነ ሰማያዊ ስፍራ ዝደሊ ሰብ፡ ኣብ ማሕበር መላእኽቲ ክርከብ፡ ዝማሬ መላእክቲ ክሰምዕ ዝደሊ ዘበለ ኩሉ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ እሙን ኮይኑ ምርካብ  የድልዮ። እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ኩሉ ሕግን ስርዓትን ክፍጽም፡ ነቲ ዝፈለጦ ድማ ሰባት በቲ ፍልጠት እቲ ዓብዮም እሙናት ኮይኖም ንኽነብሩ ክጽዕት ይግብኦ እዩ።

“ውሑድ” ተባሂሉ ዘሎ  ከምቲ ዝተገልጸ ምድራዊ ዕድመና እዩ። ቅዱስ ዳዊት ዕድመ ወዲ ሰብ ሰብዓ እንተ ነውሐ  ሰማንያ እዩ (መዝ 90፡10) ከም ዝበለ ዝነውሐ ዕድመ ኣብዚ ምድሪ ነይሩ ዝበሃል ማቱሳላ’ውን 969 ዓመት እዩ። እዚ ምስቲ ድሕሪ መፈጸምታ ዓለም  ዝኸውን እንተ ኣወዳዲርናዮ  ብጣዕሚ  ኣዝዩ ንእሽተይ እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ጥበበኛ ሰሎሞን ካብቲ ብሕይወት እትነብሮስ ድሕሪ ሞት ዘሎ ግዜ ከም ዝነውሕ  ኣስተውዕል ክብል ዝተዛረበ። ስለዚ ኩሉ ኣብዚ ዓለም እነሕልፎ ግዜ ኩሉ ዋላ’ውን  እቲ መሪር ናይ ሞት እዋን’ውን እንተኾነ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዝጽበየና ዘሎ ክብርን ናይ ሕይወት ናብራን ፈጺሙ ዝመዓራረ ኣይኮነን (ሮሜ 8፡28)። እዚ ምዃኑ ፈሊጥና እምበኣር ምእንቲ ኣብታ ዘይትሓልፍ መንግስቲ ቦታ ክንረክብ፡ ኣብታ ዘመን ዘይቁጸረላ ሃገር ከኣ  ክንነብር ኣብዛ ሓጻር ዕድመና እሙናት ንኹን (ገላ 4፡14, ዘዳ 32፡32, ዮሓ6፡9)።

ኣርእስቲ መዝሙር              ንባባት             መዝሙር

መኑ ውእቱ ገብርሔር      2ጢሞ 2፡1-16         መዝ 37፡21-22

1ጴጥ 5፡1-12

ግ.ሓዋ 1፡6-9

ማቴ 25፡14-31

ማቴ 24፡1-36

Leave a comment

Send a Comment