በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን
6/፮ ጥሪ በዓለ ግዝረት
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈልያ እተኽብረሉ ፱ተ ዓበይትን ፱ተ ንኡሳን በዓላት ኣለዋ። ሓደ ካብቶም ንኡሳን በዓላት ድማ ኣብ ሻሙናይ ዕለተ ልደት ዝኽበር በዓለ ግዝረት ጐይታ እዩ። ሠራዔ ሕግ እግዚአብሔር፡ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ብምዃን ነቲ ደቂ ሰባት ንክሕልዉዎ ካብ ዝሠርዖ ሕግታት ነቲ ሓደ ባዕሉ ዝፈጸመሉ ዕለት እዩ።

ግዝረተ ክርስቶስ
ደቂ ሰባት ከምዚ እናበሉ ድኅሪ ምንባር፡ ብ፭ ሽሕን ፭፻ ዓመተ ዓለም ክርስቶስ ካብ ሕዝብን አሕዛብን ካብ ክልቲኣቶም ወገን ተወልደ። ከምቲ ሕጊ ነገደ አብርሃም ማለት ከም ሕገ ኦሪት ኣብ ሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ቤተ ግዝረት ኣትዩ፡ ሕገ ግዝረት ፈጺሙ እዩ። (ወፈጸመ ሕገ ኦሪት በከመ ይቤ ሐዋርያ ጳውሎስ ልሳነ ዕፍረት እስመ ክርስቶስ ተወክፈ ግዝረተ በሥጋሁ ከመ ይፈጽም ሥርዓተ አበው)።
ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ልደቱ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ቀረበ ንጻድቅ ዮሴፍ ‘ወደይ ከምቲ ሕገ ሙሴ ምእንቲ ክግዘርን ስሙ’ውን ኢየሱስ ኢልና ክንሰምዮ ኬድካ ገዛሪ ጸውዕ” በለቶ። ጻድቕ ዮሴፍ’ውን ዝተባህሎ ገበረ። እቲ ገዛሪ ድማ ከም ካልእ ሕፃን መሲልዎ ከይንቀሳቐስ እሞ ከየቝስሎ ጽቡቕ ጌሮም ክሕዝዎ ኣተሓሳሰቦም። ጐይታ ግና ነቲ ገዛሪ ዕፁብ ነገር ተዛረቦ፣ “እስኪ ደም ከይፈሰሰኒ ብኸመይ ገይርካ ከም እትገዝረኒ ጥበብካን ኃይልኻን ግብርኻን ክርኢ እፈቱ” ብምባል ናቱ ደም ኣብ ቀራንዮ መድኃኒተ ዓለም ኣብ ዝኾነሉ ዕለተ ዓርቢ ምስ ተሰቕለ ጥራይ ዝፈስስ ምዃኑ ምስ ተዛረቦ እቲ ገዛሪ ሰንበደ። ነዚ ዕፁብ ነገር ካብቲ ዘይተጸበዮ ሕፃን ምስ ሰመዐ ኣምላኽነቱ ተረዲኡ። ተንሢኡ ኣብ ትሕቲ እግሩ ከኣ ሰገደ፤ ኣምላኽ ንዝወለደት ኣዴና ቅድስት ድንግል’ውን “ቡርክት አንቲ እምአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ” ብምባል ወደሳ። እቲ ዝወለደቶ’ውን ናይ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ በላ። እቲ ገዛሪ’ውን ንጐይታ ድኅሪ ምሕታቱን ምርድኡን “ሥረይ ሊተ እግዚኦ እስመ ኢይክል እትናገር ምስሌከ” (ይቕረ በለኒ ምሳኺ ክዛረብ ኣይከኣለንን እዩ) ብምባል ድማ ደጊሙ ሰገደሉ።
ከምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ኣዴና ቅድስት ድንግል ገና ከይጸነሰት ከላ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ፡ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ ኢልዋ ነበረ’ሞ ቃል መልአኽ ዘይሕሶ ስለ ዝኾነ፡ ስሙ “ኢየሱስ” ተባህለ፤ ኢየሱስ ማለት መድኃኒት ማለት እዩ። “ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሀንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ ኢየሱስ ኢሎም ሰመይዎ።” (ሉቃ ፪፥፳፩/2፥21) እዚ ማለት ግና ከምቲ ሥርዓት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ናብ ቤት ግዝረት ክገዝርዎ ወሰድዎ እምበር ብኢድ ሰብሲ ኣይተገዝረን። እቲ ገዛሪ ኪገዝረሉ መላጸታት ሒዙ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ፡ ቅድሚ ስቕለቱ ደሙ ስለ ዘይፈስስ፡ ብተኣምራት ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ግዙር ኮይኑ ተረኽበ። እቲ ክግዘረሉ ተቐሪቡ ዝነበረ መላጸ’ውን ከም ኣብ ሓዊ ዝቐረበ ጠስሚ መኺኹ ማይ ኮይኑ ተረፈ (እስመ ተመስውይ መላፂያቲሁ ወኮኑ ማይ)። እቲ ገዛሪ ነዚ ድንቂ ነገር ምስረኣየ ትሕት ኢሉ ሰገደ። “አማን አንተ ውእቱ ወልደ እግዚአብሔር ወንጉሠ እስራኤል።” ብምባል ድማ ኣምላኽነቱ መስከረ።
እቲ ግዝረቱ’ውን ዕፁብ ድንቂ እዩ። ከምቲ ካብ ማኅፀነ ድንግል ዝተወልደሉ ድንቂ ልደት፤ ግዝረት ጐይታ’ውን ብደቂ ሰባት ዝምርመር ኣይኮነን። እዚ ብኣምላኻዊ ጥበቡ ዝፈጸሞ እዩ። ንሱ ስለዝተገዝረ ድማ እቶም ደለዪቲ ምኽኒት ኣይሁድ ምኽንያት ኣይረኸቡሉን፡ ነቲ ሥርዓተ አበው ስለዝፈጸመ። (ወኮነት ግዝረቱ ለእግዚእነ ዘኢትትዓወቅ በከመ ምሥጢረ ልደቱ እማኅፀነ ድንግል ማርያም ወኢያማሰነ ድንግልናሃ ወከማሁ በአቱ ኀበ ሐዋርያት እንዘ ዕፁው ኆኅት። ወከማሁ ግዝረቱኒ እንዘ ኢይትበተክ ምንተኒ እምነ ሥጋሁ ከመ ይክሥት በዘፈቀደ ክሂሎቶ እምኪነ ጥበቡ ንስቲተ ወዘንተኒ ዘገብረ ከመ ይፈጽም ሕገ ዘሠርዐ ለሊሁ እምቀዳሚ።)
ሕጊ ክፍጽም እምበር ክሥዕር ዘይመጸ ጐይታ ድማ፡ ንዓና ንሰብ ሓዲስ ኪዳን ኣብ ክንዲ ግዝረት ጥምቀት ሠርዓልና። ከምቲ ግዝረት ኣብ ዘመነ ብሉይ ብእግዚአብሔር ናይ ዝኣመኑ ሕዝቢ መፍለዪ ዝገበሮ፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ጥምቀት ሰባት ካብ እግዚአብሔር ውልድነት ዝርኸቡሉን፤ ናይ ብእግዚአብሔር ምእማኖም መፈለዪ ገበሮ። ኣማናዊ ግዝረት፡ ጥምቀት ኮነ። እቲ ዕልቦ ሥጋ ካብ ኣካላትና ከምዘርሕቕ፤ ጥምቀት ድማ መደምሰሰን መስተሥርዪን ኃጢኣት ኮነ። (ቈሎ ፪፥፲-፲፪/2፥10-12 ሮሜ ፪-፬) እምበኣርከስ ኣቐዲሙ ሕጊ ሠሪዑ ነቶም ፈተውቱ ከምዝሃበ: ደጊሙ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝሠርዖ ሕጊ ፈጸሞ። ንዓና ድማ ምልክት ዘይኮነ ድኅነት ዘውህብ ሓድሽ ሕጊ ሠርዓልና።
ኣብዚ ዕለት’ዚ ዘብጽሓና ልዑል እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።