በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
፯/7 ግንቦት ዕረፍቱ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ
ቤተ ክርስ
ቲያን ካብ እትምሥረት ክሳዕ ዘመን ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ፡ ሠለስተ ሚእቲ (300) ዓመት እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዘመን እዚ ቤተ ክርስቲያን እፎይ ኢላ ዓሪፋ ኣይትፈልጥን። ብደገ ምስ ዓለውቲ ነገሥታት ክትቃለስ፡ ብውሽጢ ድማ ናይ ጽርኣውያን ሰብ ሰርሖ ፍልስፍና ኣብ ውሽጢ ትምህርታ ሰሊኹ ኣትዩ ዕርፍቲ ኸሊእዋ ነበረ። ግና ምንም እኳ ክትፍተን እንተፈቐደ ክትወድቕ ግና ዘይፈቱ እግዚኣብሔር ነዚ ዅሉ ነቓቒሎምን ምሕዮምን ደርብዮምን ትምህርተ. ሓዋርያት ዚምህሩ፡ ዚሰብኩ ሰባት በቢጊዜኡ ምትንሣእ ኣየቋረጸን።
ካብዚኣቶም ከኣ ኣብ ራብዓይ ሚእቲ ኽፍለ ዘመን ተንሢኡ ንናይ እስክንድርያ ይኹን ንናይ ኣንጾኪያ ኣብ ፍልስፍና ዝተሠረተ ትምህርቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ዘርሓቖ በዓል ዝና ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ እዩ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ እስክንድርያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ጡፍ ዝተባህለት ቁሸት ካብ ሓኪም ኣቦኡን ካብ ማርያም ኣዲኡን ብዕለት ፳ (20) መስከረም ፪፻፺፱ (299) ዓ.ም.ግ ተወልደ። ብ፪፻፺፭ ፪፻፺፮ / 295.296 ዓ.ም ተወልደ ዝብሉውን ኣለዉ። ኣትናቴዎስ ማለት ዓቢይ፡ ሕይወት፡ ዘኢይመውት፡ ጽሩይ ማይ፡ ብርሃነ ዓለም ማለት እዩ። ሓዋርያዊ ኪበሃል ዝኸኣለ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ መቃብረ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ከይዱ “ሰላም ለክሙ ብፁዓን ሐዋርያት”እናበለ ኪጽሊ ኸሎ፡ “ለከሂ ይቤሉከ ሐዋርያ”ዝብል ቃል ብምስምዑ እዩ። “ወኮኑ አበዊሁ አረማውያነ” ከምዝብል ኣቦኡን ኣዲኡን ኣረማውያን እዮም። እዚ ኾነ እቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ ናይ ጻውቲ ቦታ ተመሪጹ ዝተጸውዐ ኣቦ ቤተ ክርስቲያን እዩ።
ኤልሳዕ ካብ ማሕረስ፡ ኣሞጽ ካብ ጉሥነት፡ ሓዋርያት ካብ ምግፋፍ ዓሣ ከም ዝተጸውዑ፡ ብዛዕባ ጻውዒት ኣትናቴዎስ ሩፊኖስ ዝተባህለ ናይቲ ክፍለ ዘመን እቲ ጸሓፊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ፬፻፲ / 410 ዓ.ም ከምዚ ዚስዕብ ይትርኽ።
“ኣትናቴዎስ ሕፃን ከሎ ምስ ደቂ ኸባቢኡ ሕፃናት ኮይኑ ኪጻወት ከሎ ፡ እቶም መሓዙቱ ከም ሓደስቲ ኣመንቲ እናኾኑ ናብኡ ይቐርቡ እሞ ንሱ ኸኣ ሥርዓተ ጥምቀት እናኣብጽሐ የጥምቖም፡ እዚ ፍጻሜ እዚ እናተፈጸመ ኸሎ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ እለ እስክንድሮስ ኣብ ሰገነቱ ኾይኑ ኣማዕድዩ ብምርኣይ ፡ ( መንገዲ ኪኸይድ ከኣ፡. ከሎ ኣጋጢምዎ፡ ርእዩ እዩ ይብሉ)፡ እቲ ነገር ምስ ቅዉም ነገር (ጻውቲ ዝለበሰ፡ምስጢር) ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ነቶም ሕፃናት ናብኡ ኣቕሪቡ እቲ ዚጻወትዎ ዚነበሩ ጻውቲ እንታይ ማለቶም ከም ዝኾኑ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ብመልክዕ ሥርዓተ ጥምቀት ይጻወቱ ከምዝነበሩን ዘጥምቖም ንዝነበረ ኣትናቴዎስ ከኣ “እዚ እዩ ዘጥምቐና ዝነበረ” ኢሎም ኣርኣይዎ። ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ እለ እስክንድሮስ ነቲ ብመልክዕ ጻውቲ ብኣትናቴዎስ ዝተፈጸመ ጥምቀት ብሜሮን ኣጽዲቑ፡ ነቶም ተጠመቕቲ ሕፃናት ባሪኹ ኣፋነዎም።
ነቲ ዜጥምቕ ዝነበረ ሕፃን ኣትናቴዎስ ግና ምስኡ ኪቕመጥ ናብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክነቱ ወሰዶ፡ ኣብቲ መንበረ ፓትርያርክ እናተማህረ ዓበየ ንማዕረገ ምንኵስና በቕዐ። ቅድስናኡ ብትምህርቱን ብቅዉም ነገሩን መንቅብ ዘይብሉ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ምስተወልደ ኣብ መበል ፳፫/ 23 ዕድሜኡ ብ ፫፻፲፰/ 318 ዓ.ም ሊቀ ዲያቆን ኮነ። “ሊቀ ዲያቆን” ማለት ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ሊቀ ጳጳሳት አፈ ጉባኤ ወኪል ወሃብ ቃል ከም ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ሊቀ ዲያቆናት ማለት ፡ ሊቀ መገብት፡ ሊቀ ኣርድእት ማለት ምንባሩ “በቲ እዋን እቲ ደቀ መዛሙርቲ እናበዝኁ ምስከዱ ፡ እቶም ግሪኽ ዝቛንቋኦም ኣይሁዳውያን ፡ እተን ናታቶም መበላሉ ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ ዝተባህላ ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕብራውያን ኣጕረምረሙ፡ ሽዑ ኣቶም ዓሠርተው ክልተ (12) ሓዋርያት ንዅሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም “ንሕና መኣዲ ክንሠርዕ ክንብል ቃል ኣምላኽ ምስባኽ ክንኃድግ ኣይግብኣናን እዩ። ስለዚ ኣቱም ኣኅዋትና ካባኻትኩም ብጽቡቕ ዝተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ኅረዩ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ ክንምዝዞም (ግብ.ሓዋ. ፮፡፩.፮ / 6፡1.6) በሉ ካብ ዚብል ጥቕሲ ክንፈልጥ ንኽእል።
ኣብ ዝቕጽል ኣርእስቲ ከም እንርእዮ ኣትናቴዎስ ኣብ እዋን ሊቀ ዲቁንኡ ንሊቀ ጳጳሳት እለእስክንድሮስ ተኸቲሉ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ወዓለ። ካብዚ ንላዕሊ ድማ ተማጕቱ ንኣርዮስ ዝረትዐን ተዋሕዶ መፍለዪ ንዝኾነት “ጸሎተ ሃይማኖት ዘርቀቐን ንሱ እዩ።
ካብ ጉባኤ ኒቅያ ምስተመልሰ ኣብ መንበረ ማርቆስ መበል ዕሥራ(፳) ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ኮነ። ንኣና ንኤርትራውያንውን ናይ መጀመርታ ጳጳስና ንዝኾነ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ሸይሙ ዝለኣኸልና ቅዱስ ኣትናቴዎስ እዩ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ምስቲ ናይ ሃይማኖት ሊቅነቱ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱውን ንዚዛረቦ ዚፍጽም መምህር ነበረ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብናይ ብሕትውና ገድሉ ንዝተፈልጠ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማይ ርእሰ መነኮሳት ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ነበረ። ኣቡነ እንጦንዮስ ዚነበረሉ ፪፻፶፩.፪፻፶፮/ 251. 356 ዓ.ም እዩ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ መምህር ትሕትና እዩ ነይሩ፡ ንኣብነት ካብ ብዝኂ ትሕትናኡ ዝተላዕለ ሊቀ ጵጵስና ተሸይሙ ኸሎ ኸይተረፈ ብሥርዓት ኣቦታት ማይ ብሒላብ ኣቕሪቡ እግሪ ኣቦታት ይሓፅብ ነበረ። እኒ በዓል ኣቡነ እንጦንዮስ ንእኡ ንምርኣይን ንምእመናን ንምጽንናዕን ናብ እስክንድርያ ኣብ ዝኸድሉ ሒላብን ንብቲራን (ሸሓኒ) ኂዙ ኢድ ዜሕፅብ ንሱ ባዕሉ ከምዝነበረ ታሪኽ ይነግረና።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብቶም ኣብ ግብጺ ሥርዓት ምንኵስና ዝሠረቱ ኣቦታት ሓደ ከም ምዃኑ መጠን በቶም ናይ ግብጺ መናንያንን መነኮሳትን ጽቡቕ ተፈታውነት ነበሮ። ብተጋድሎ ንዝተፈልጠ ኣቡነ እንጦንዮስ ከም በፍታ ዝበለት መቋረቢት ክዳን፡ ወይ ከም ጋቢ ዝበለ ፃዕዳ በፍታ ልኢኹሉ፡ ንፍቕሩ መዘከርታ ዚኸውን እንትርፎ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ከም ትንሣኤ ከይተኸድና ይነብር ምንባሩ ገድለ ኣቡነ እንጦንዮስ ይነግር።
ኣቡነ እንጦንዮስ ካብዚ ዓለም እዚ ብሞት ኪፍለ ኸሎ ነዛ ኣባ ኣትናቴዎስ ዝለኣኸሉ ንረድኡ ንኣባ ጳውሊ ሃቦ። ኣባ ጳውሊ ኪመውት ከሎ ካብ 1 በረኸት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ምእንቲ ኪካፈል ኢሉ “ክመውት ከሎኹ በታ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንኣቦይ እንጦንዮስ ዝለኣኸሉ በፍታ ገኒዝኩም ቅበሩኒ” ብምባል ንኣርድእቱ ሓደራ ይብል ነበረ። ታሪኽ ኣቡነ እንጦንዮስ ዚጸሓፈውን ቅዱስ ኣትናቴዎስ እዩ። እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ ኣብ ዘመን ሊቀ ጵጵስናኡ ማለት ተሸይሙ ኸሎ ብዙኅ ፀዋትወ መከራ ተቐቢሉ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ዝወረደ ስደት።
ቈስጠንጢኖስ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝተወገዘ ኣርዮስ ካብ ስደቱ መለሶ እሞ ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ንኽትቅበሎ ምስ መሰነይታኡ ናብ እስክንድርያ ሰደዶ። በቲ ጊዜ እቲ ኸኣ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ እስክንድርያ. ሓድሽ ፓትርያርክ ነበረ። ኣትናቴዎስ እቲ ንጉሥ ኣብ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ጣልቃ ምእታዉ ብምቅዋም “ምፍታሕ ውግዘት ኣርዮስ ንቤተ ክርስቲያን ደኣ እምበር ንቤተ መንግሥቲ ዚምልከት ኣይኮነን” ብምባል እቲ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተወገዘ ኣርዮስ ብምስጢር፡ ብደብዳቤ ቤት መንግሥቲ ኣይፍታሕን እዩ ብምባል “ትእዛዝ ንጉሥ ኣይቅበልን” በለ። ከመይ ብሲኖዶስ ዝተወግዘ ብሲኖዶስ እዩ ኪፍታሕ ዚግባእ” በለ።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣርዮስ ናብ ቍስጥንጥንያ ተመልሰ። ቈስጠንጢኖስ ከኣ ትእዛዙ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ ስለ ዝሓረቐ ርሕቀት ቦታ ደኣ ዓጊትዎ እምበር ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ናይ መቕጻዕቲ ስጕምቲ ንምውሳድ ሓሊኑ ነበረ።
ኣብዚ እዋን እዚ ከምቲ “ዕግርግር ዕዳጋ ንሰራቒ ይጥዕም” ዚብሃል እቶም ሰዓብቲ ኣርዮስ ብፍላይ ከኣ እቲ ቐዳማይ ዓርኪ ኣርዮስ ዝኾነ ኣውሳብዮስ በዓል ኒቆምድያ ኣብቲ ቤተ መንግሥቲ ጽቡቕ ተሰማዕነት ስለ ዝነበሮ ኣብ ንጉሥ ኣብ ዝቐረበሉ ጊዜ “ኣትናቴዎስ ቍጡዕን ህልኸኛን እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህውከት ዚፈጥር ዘሎ ንሱ እዩ” እናበለ ኬካፍእን ኬጸልምን ጀመረ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ቈስጠንጢኖስ ዓቢይ ሞይቱ፡ ቈስጠንጢኖስ ንእሽቶ (ወዱ) እዩ ነጊሡ ዝነበረ። ዓርኪ ኣርዮስ ዝነበረ ኣውሳብዮስ፡ ናይ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ንእሽቶ፡ ሰዓቢ መናፍቕ ዝነበረ “ዓሚጾምዎ ደኣ እምበር ነገሩስ ከም ናይ ኣርዮስ እዩ ሓቂ” በሎ። ንርእሱ ኣርዮሳዊ ስለ ዝኾነ ቀጥታ ተቐበሎ።
ቈስጠንጢኖስ ንእሽቶይ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ መንበሩ ኣውፂኡ ሰጐጎ። ንሾብዓተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ስደት ጸንሐ። ድኅሪ ሾብዓተ ዓመት ክሳዕ መዓስ እየ ኣብ ስደት ክነብር ብሰይፊ እንተ ሰየፈኒ ሰማዕትነት እቕበል፡ እንተተኻራኸረኒ ኸኣ እከራኸር፡ ናብቲ ዝነበርክዎ ሃገር እንተመለሰኒ ድማ እምህር ኢሉ ተመሊሱ እንተመጽአ፡ “ስለምንታይ መጻእካ በሎ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከይፈርሀ ሓሳባቱ ገለጸ። እቲ ንጉሥ “ኣነ ኣይቀትሎን እየ፡ ተጻዒሩ ይሙት” ኢሉ፡ ንኣውሳብዮስ ኣብ ሓዳስ መርከብን ጥዑይ መራሕን፣ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና ኣብ ሰባር መርከብን ዘይብቝዕ መራሕን ሂቡ፡ ማለት እታ ጃልባ ኲሉኣቝሑታ ዚቘንቈነ ገይሩ ናብ ባሕሪ ሰደዶም። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ፡ ኣውሳብዮስ መርከብ ተሰቢራቶ ጥሒሉ ሞተ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና
መላእኽቲ ብሓዳስ ጃልባ ጌሮም መንፈሳዊ ምግቢ እናመገቡ ወሲዶም ኣብ ቦትኡ ኣብጽሕዎ።
ድኅሪኡ እቲ ኸሓዲ ንእሽቶ ቈስጠንጢኖስ ሞይቱ ኻልእ ንጉሥ ነጊሡ ንቕዱስ ኣትናቴዎስ ኣውፂኡ ሰጐጎ፡ ኣብቲ ተሰዲዱሉ ዝነበረ ምኵራበ ጣዖት ነበረ፡ ኪኣቱን ኪወፅእን ኪርእዮ ኸሎ ይሓዝን ነበረ “ወለእመ ረከብኩ ሞገሰ በቅድመ አምላኪየ ኢየኀድጎ ለዝንቱ አድራማሌክ ምኵራበ ሰገል” እናበለ ይጽሊ ነበረ። ንናይ ሃገረ ኣግዓዚ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ንመጀመርታ ጊዜ ዝሸመ መበል ፳ (20) ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ን፵፯ (47) ዓመታት ኣብ ሽመት ድኅሪ ምጽናሕ ብዕለት ፯ (7) ግንቦት ፫፻፸፬ (374) ዓ.ም ኣብ መበል ፸፭ (75) ዕድሚኡ ዓረፈ። ልብሱ ኲሉ ንገዳመ ኣቡነ እንጦንስ ሃቦ። እቲ ጣዖት ከኣ በቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚጽልዮ ዝነበረ ጸኒሑ፡ ዓነውነው አ ኢሉ ወደቐ።
ናብ ርእሰ ነገርና ክንምለስ፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስን ቈስጠንጢኖስ ንእሽቶን ከብድን ዝባንን ኣብ ዝኾኑሉ ጊዜ ፡ ንኣትናቴዎስ ምኽሳስን ምውንጃልን ጽቡቕን ቀሊልን ስለ ዝነበረ ኣርዮሳውያን ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ብኣርባዕተ ዓይነት ኃጢኣት ከሰስዎ።
፩. ብቕትለት ነፍሲ፡. “ነቲ ሰዓቢ መለጢዮስ ዝነበረ ናይ ጢቫይደስ ኤጲስ ቆጶስ ንኣርሳንዮስ ቀቲሉ ኢዱ ቘሪጹ ይጥንቍለሉ ኣሎ’ ብዚብል፡
፪. ብገበን ማህረምቲ፡. ሥልጣኑ ብምጥቃም መቃርስ ንዝተባህለ ካህን ልኢኹ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ስብከቱ ኢስኪሮስ ንዚብሃል ካህን ኣብ ቅዳሴ ኸሎ ኣህሪሙ ነቲ መንበሩ ገምጢሉ ነቲ ጽዋኡ ኣስቢሩ መጻሕፍቱ ኣንዲድሉ እዩ” ብዚብል፡
፫ “ኣብ ዝሙት ረኺብናዮ ኢና“ዚብል፡
፬. ራብዓይን ናይ መወዳእታን ድማ ፖለቲካዊ ዚምልከት ገበን ኣቕረቡሉ። እዚ ድማ፡. “ነቶም ኣብ ልዕሊ ንጉሥ ዚዓመጹ ሸፋቱ ስንቅን ዕጥቅን የቐብል እዩ። ስርናይ እስክንድርያ ናብ ቍስጥንጥንያ ከይጸዓን ይኽልክል እዩ” ብዚብል ከሰስዎ።
ኣብዚ ጊዜ እዚ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ኣብ ልዕሊ ኣትናቴዎስ ንዝነበሮ ቅርሕንቲ ንኽብቀል/ሕነ ክፈዲ ምሹእ ጊዜ ረኸበ። ቐልጢፉ ድማ ብ፻ወ፭/335 ዓ.ም እቲ ክስታት ብጉባኤ ንኺርኣ ትእዛዝ ኣመኃላለፈ፡ እቲ ጉባኤ ንኽግበር ዝተወሰነ ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ኣብ ቂሳርያ ነበረ፡ ኣትናቴዎስ ግና እቲ ጉባኤ ንኺግበር ዚደፋፍእዎ ኣርዮሳውያን ምዃኖም ስለ ዚፈልጥ ቂሳርያ ድማ ናይቲ ናይ ኣርዮስ የማናይ ኢድ ዝነበረ ኣውሳብዮስ ሃገረ ስብከት ስለ ዝነበረት ኣብቲ ጉባኤ ንኺርከብ ፍቃደኛ ከምዘይኮነ ገለጸ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብ ቂሳርያ ናብ “ንቄ (ሎሚ ግዝኣት ሊባኖስ እያ) ንኺቕየር ተወሰነ። ግና ኣትናቴዎስ ናብዚ ቦታ እዚ ኪመጽእ ፍቓደኛ እንተደኣ ዘይኾይኑ ብኃይሊ ወተሃደራት ተገዲዱ ኪመጽእ ምዃኑ ንኺፈልጥ ካብ ቈስጠንጢኖስ ትእዛዝ በጽሖ። ንሱ ግና ብምፍርራህ ንጉሥ ዘይኮነ እቲ ቦታ ካብ ቂሳርያ ናብ ፊንቄ (ሊባኖስ) ብምቕያሩ ተሰማሚዑ 49 ኦርቶዶክሳውያን ተዋሕዶ ኤጲስ ቆጶሳት ኣኸቲሉ ናብቲ ጉባኤ መጽአ። ሽዑ ኣብ ልዕሊኡ ንምፍራድ ተሃንዲዶም ዚጽበዩ ዚነበሩ ኃያሎ ኣርዮሳውያን ነበሩ፡ ካብኣቶምውን 60 ኤጲስ ቆጶሳት ነበሩ።
ጉባኤ ተጀመረ፡ ገበን ኣትናቴዎስ ድማ በቢታራ ተነበበ፡ኣትናቴዎስ ከኣ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃሉ ሃበ። እቲ ቐዳማይ ክሲ ብዛዕባ እቲ ተቐቲሉ ዝተባህለ ኣርሳንዮስ ነበረ።
ኣርሳንዮስ ከኣ ብሕይወቱ ስለ ዝነበረ ፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መልሱ ፦
1.“ኣርሳንዮስ ተቐቲሉ ዝበልክምዎ ኣርሳንዮስ እንሆ ብሕይወቱ። ኣእዳዉ ቘሪጹ ይጥንቍለሉ ኣሎ ዝበልክምዎ ድማ ኣእዳዉ ከም ዅሉ ሰብ ክልተ እየን፡ ሣልሳይ ኢድ ከኣ እግዚኣብሔር ኣይፈጠረሉን” ብምባል ኣፎም ኣትኃዞም።
- ብዛዕባ እቲ ተሃሪሙ ዝተባህለ ኢስኪሮስ ዝተባህለ ካህን ድማ ኣብቲ ጉባኤ ምስቶም ከሰስቲ ስለ ዝነበረ ኣትናቴዎስ ከምዘይተሃርመ ኬረድእ ከሎ “ማንም ክህነት ዚሸሞ ዘይብሉ ክንሱ ካህን እየ ብምባል ንቤተ ክርስቲያን የታልል ኣሎ” ዚብል ከምዝሰምዐን መቃርስ ዝበሃል ካህን ናብቲ ዝተጠቕሰ ቦታ ንኸጻሪ ከምዝለኣኸ ድማ ተኣመነ። እንተኾነ ኢስኪሮስኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ስለ ዘይነበረ ተሃርመ ዚብል ክሲ መሠረት ዘይብሉ ሓሶት እዩ” ብምባል ንጉባኤ ኣረድኦ።
- ብዝሙት ፡. ብዝሙት ዚኸሰስዎ ድማ ምስ ሓንቲ ጓል ማእምን ተመሳጢሮም ንእኣ ብገንዘብ ዓዲጎም ነበሩ። እቲ ጉባኤ ንጊዜኡ ዕረፍቲ ገይሩ ምስ ተመልሰ እታ ጓል ከምቲ ዝተመኽረቶ ኣብ ማእከል ጉባኤ ደው በለት። ንሳ ግና ንኣትናቴዎስ ስሙ ደኣ እምበር መልክዑ
ኣይትፈልጦን ነበረት። ከምቲ ዝተመኽረቶ ኣብ ማእከል እቲ ፡ ጉባኤ ከይኃፈረት “ኣትናቴዎስ ክብረ ንጽሕናይ ወሲዱለይ” ብምባል እናበኸየት ጥርዓና ኣቕረበት። ሽዑ ሓደ ኻብቶም ምስ ኣትናቴዎስ ዝነበሩ ቅዱስ ጢሞቴዎስ (ዘአልቦ ጥሪት) ዝተባህለ ናብታ ጓል ግልጽ ኢሉ “ኣቲ እስከ ሓቂ ተዛረቢ ድንግልናኺ ዘጥፋእኩዶ ኣነ እየ፡ ካብ ክብርኺ ዘናኣስኩስ ኣነ ድየ፧ ኣነ ደኣ ቤትኪኸ እፈልጦ ድየ፧” እንተበላ ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ ስም ኣትናቴዎስ ደኣ እምበር መልክዑ ዘይትፈልጦ ስለ ዝነበረት “እወ ንስኻ ኢኻ” በለቶ። ሽዑ እቶም ከሰስቲ ስለ ዝኃፈሩ ነታ ሰበይቲ ደፋፊኦም ኣውፂኦም ኣብ ልዕሊ ሕይወቱ ኃደጋ ንምፍጻም ብቝጥዐ ምስተላዕሉ፡ እቶም ጸጥታ ጉባኤ ዚሕልዉ ዝነበሩ ተኸላኺሎም ኣድኃንዎ፡ እዚ ዅሉ ታሪኽ ዝኾነ ፲፩/11 ሓምሌ ፫፻፴፭/385 ዓ.ም እዩ።
ብድኅርዚ ብዛዕባ ውፅኢት እቲ ጉባኤ ዋላ ሓንቲ መግለጺ ከይሃቡ ዅሎም እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ነተን ኣብ ጎልጎታን ቤተ ልሔምን ንጉሥ ቈስጠንጢኖስን ኣዲኡ ንግሥት እሌኒን ዘሥርሕወን ኣብያተ ክርስቲያን ንምምራቕ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ።
ኣትናቴዎስ ግና ናብ እስክንድርያ ንኺምለስ እግረ መንገዱ ናብ ቍስጥንጥንያ ኣልገሰ። ፩. እቲ ንጉሥ ድማ ብውልቃዊ ቒሙ ብዘይ ፍርዲ ናብ ማሕዩር ኣእተዎ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከኣ እሱር ኮይኑ ናብ ትሬቬሪ ኸደ። እዛ ትሬቬሪ ኣብ ጋውል ፈረንሳይ እትርከብ ሃገር እያ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ናብታ ሃገር ፮/6 ኅዳር ፫፻፴፮/386 ዓ.ም በጽሐ። እቲ ገዛኢ ሃገር ዝነበረ ወዲ ንጉሥን ናይታ ሃገረ ስብከት ኤጲስ ቆጶስ መክስምያኖስ ከኣ ተረከብዎ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ቤት ማሕዩር ምስ ኣተወ ግና ከም ብሓድሽ ትእዛዝ ንጉሥ ፡ ኣርዮስ ብወተሃደራት ተዓጂቡ ናብ እስክንድርያ ንኺኸይድ ብምኽሪ ጸዲቑ ኸሎ ፡ ኣርዮስ ኣብ ቍስጥንጥንያ ኣብ ሕዝባዊ ዓይኒ ምድሪ (ዓፀደ ምኵሳሕ፡ መካነ ኵስሕ) ኣምዑቱ ተዛሕዚሑ ወፂኡ ሞተ። እዚ ሃንደበታዊ ናይ መቕዘፍቲ ሞት ኣርዮስ ንኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ዓወትን ተኣምርን እዩ። እዚ ተኣምር እዚ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ይንገር ኣሎ።
ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ብ፫፻፴፯/337 ዓ.ም መንግሥቱ እቶም ሠለስተ (3) ደቁ ተኻፊሎም ክልተ ኦርቶዶክሳውያን ተዋሕዶ ኪኾኑ ኸለዉ እቲ ሓደ ግና ሰዓቢ እምነት ኣርዮስ ነበረ።
ኣርዮስ ብመጀመርታ ብማሕዩር ዝተኣስረሉ ሃገር፡ ዚገዝእ ዝነበረ ዳግማይ ቈስጠንጢኖስ ኦርቶዶክሳዊ ስለ ዝነበረ ኣቦኡ ምስ ሞተ ንቕዱስ ኣትናቴዎስ ቀልጢፉ ብናጻ ሰደዶ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ መንበሩ ካብ ዚፍለ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ጸንሐ ብ፫፻፴፰/338 ዓ.ም ናብ መንበሩ ተመልሰ።
ሶቅራጥስ ዝተባህለ ጸሓፊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን “ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ ስደት ኪምለስ ከሎ እቲ ሕዝቢ ብዕልልታን ብጣቕዒትን ተቐበሎ” ይብል። እቶም ኣብ እስክንድርያን ከባቢኣን ዝነበሩ 100 (ሓደ ሚእቲ) ዝኾኑ ኤጲስ ቆጶሳት ከኣ ቐልጢፎም ነውርን ኣበርን ዘይብሉ መምህር ምዃኑ ኣረጋገጹሉ።
እንተኾነ ነቲ ነገር ዘጓሃህርዎ ዚነበሩ እቶም ነገሥታት ስለ ዝነበሩ እቲ ንምብራቓዊ ኽፍሊ ዚገዝእ ዚነበረ ወዲ ቈስጠንጢኖስ ሰዓቢ እምነት ኣርዮስ እዩ ዝነበረ እሞ ጒዳይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዳግም ኣብ ኣንጾኪያ ጉባኤ ተጸዊዑ ከም ብሓድሽ ኪምርመር ኣዘዘ። ኣብ ኣንጾኪያ ድማ ጸላእቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ተኣኪቦም ንኣትናቴዎስ ኣውገዝዎ፡ ነቲ ኣብ ፊንቄ ምስክር ወይ መረዳእታ ዘይተረኸበሉ ገበን ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዳግም ሓደስዎ። ራሱ
ኣብ’ዚ ጉባኤ እዚ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ምስ ተወገዘ ኣብ ክንድኡ ድማ ኣብ መንበር እስክንድርያ ኣውሳብዮስ ዝተባህለ ሰብ ተሸመ። ኣውሳብዮስ ግና ነቲ ሽመት ኣይተቐበሎን፡ ንሱ ስለ ዝኣበየ ድማ ንኻልእ ኣርዮሳዊ ብዓል ቀጶዶቅያ ገርጊዮስ ዝተባህለ ሸይሙ ኸደ። እቲ ሕዝቢ ግና “ኣትናቴዎስ ፡ ኣትናቴዎስ” እናበለ እኳ እንተኣእወየ ዚሰምዕ እዝኒ ኣይነበረን።
ኣርዮሳዊ ገርጊዮስ ብኃይሊ ሰራዊት ተሰንዩ መጺኡ ኣብ መንበር ማርቆስ ኵድጭ በለ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንበሩ ብኃይሊ ምስተመንዝዐ እስክንድርያ ቅድሚ ምውፃኡ መምህራን ቤተ ክርስቲያንን ጳጳሳትን ካብ ዚምረጹ ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር ብኃይሊ ነገሥታት ከምዘይግብኦ ገለጸ። እንተደኣ ነገሥታት ኣብ ጒዳይ ቤተ ክርስቲያን ኪኸውን ጣልቃ ዚኣትዉ ኾይኖም ብኸምኡውን እንተቐጺሉ ንህልውና ቤተ ክርስቲያን ዚፈታትን ምዃኑ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ኪፈልጥዎን ኪጥንቀቑሉን መልእኽቱ ኣመኃላለፈ።
፪ ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ሮማ ተሰደ
እዚ ስደት እዚ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ካልኣይ ስደቱ ነበረ። ንኣትናቴዎስ ናብ ሮማ ምስ ሰደዶ ኣርዮሳዊ ንጉሥ ቈንስጣንዲዮስ ትምህርቲ ኣርዮስ ንምስፍሕፋሕ ብዝነበሮ ውጥንን ሓሳብን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ለውጢ ንምግባር ፈቲኑ ከይኮነሉን ከይተሰማምዓሉን ተረፈ። ንኣብነት፡. ንጉሥ ቈንስጣንዲዮስ ነቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሸይሙ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝለኣኾ ኤጲስ ቆጶስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ኣባሪሮም ኣብ ሃገረ ስብከት የመን ንዝነበረ ኣርዮሳዊ ኤጲስ ቆጶስ ቴዎፍሎስ ዝተባህለ እንተተቐበሉ ዝኃሸ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብቲ ዘመን እቲ ናብ ዝነበሩ ናይ ኢትዮጵያ ነገሥታት አብርሀ ወአጽብሐ ልኡኽ ሰዲዱ ነበረ። እንተኾነ ግና ኣብ ቤተ መንግሥቲ ኣኽሱም ተቐባልነት ከይረኸበ ሽታ ማይ ኮይኑ ተረፈ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሮም ንሠለስተ (3) ዓመታት ዚኣክል ጸንሐ፡ ኣብዘን ኣብ ሮም ዚጸንሓለን ጊዜያት ብዛዕባ ናይ ኦርቶዶክስ ዶግማን ጉባኤ ኒቅያን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ቅድም ኢሎም ዚሰምዑ ሮማውያን ክርስቲያን ኵሎም ብእዝኒ ዚሰምዕዎ ብዓይኒ ንምርኣይ ናብኡ እናመጽኡ ኪመሃሩ ይውዕሉ ነበሩ። ካብዚ ዅሉ ኸኣ ንሮማውያን ሓድሽ ነገር ኪኾኖም ዚኸኣለ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ተኸቲሎም ምስኡ ኃቢሮም ተሰዲዶም ዝነበሩ ኽልተ ግብጻውያን መነኮሳት ዝተኸድንዎ ሓርፋፍ ዋይባን (ደባ፡ ዓጽፍን) ቆብዕን
እዩ ምኽንያቱ ድማ ሮማውያን ክሳዕ እቲ እዋን እቲ ምንኵስና ኣይፈልጡን ነበሩ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሮማ ኺነብር ከሎ ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበረ ፓፓ ዮልዮስ ዝተባህለ ናይ ሮማ ሊቀ ጳጳስ ፶50 ዝኾኑ ኤጲስ ቆጶሳት ኣኪቡ ብ፫፻፵፩/341 ዓ.ም ብዛዕባ ጕዳይ ኣትናቴዎስ ሲኖዶስ ገበረ። እቲ ሲኖዶስ ከኣ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዋላ ሓንቲ በደል ዘይብሉ ንጹሕ ኣቦ ምዃኑ ኣረጋገጹሉ። እቶም ኣርዮሳውያን ጸላእቱ ኸኣ ኣብ ኣንጾኪያ ተኣኪቦም ነቲ ኣብ ፊንቄ ጭብጢ ስኢኖሙሉ ኃፊሮም ዝተመልሱሉ ኽሲ ከም ብሓድሽ ኪጕንጕንዎ ጀመሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ናይ ተንኰል ሸርሕን ክስን እቲ ናይቶም ነገሥታት ፈላሊኻ ንምግዛእ ዚግበር ሕልኽልኻት ተወሲኽዎ እቲ ነገር _ ቀልጢፉ መፍትሒ ኪረክብ ኣይከኣለን።
ብድኅሪ እዚ ብ፫፻፵፫/343 ዓ.ም ንጉሥ ቈንስጣንዲዮስ ኣብ ሳርዲክ (ናይ ሎሚ ሶፍያ ቐንዲ ኸተማ ሀገረ ቡልጋርያ) ጉባኤ ኪግበር ኣወጀ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ኸኣ እቶም ካብ ምዕራብ ዝመጽኡ ልዕሊ ፫፻ / 300 ዚኾኑ ኤጲስ ቆጶሳት “ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዚድግፎም ስለ ዚኾነ ኣብዚ ጉባኤ እዚ ኣትናቴዎስን ሰዓብቱን ኪርከቡ ኣለዎም” በሉ። እቶም ካብ ምብራቕ ዝመጽኡ ግሪኻውያን (ዮናናውያን) ግና ነዚ ሓሳብ እዚ “ኣይንቕበሎን ኢና” ብምባል ነቲ ጉባኤ ረጊዖምዎ ወፅኡ። ንሳቶም ምስ ወፅኡ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ግዝኣት ቡልጋርያ “ፊሊፑ ፓሊ” ኣብ እትብሃል ከተማ ንበይኖም ኣኼባ ጌሮም ንኣትናቴዎስን ነቲ በቲ ዘመን እቲ ናይ ሮማ ሊቀጳጳስ ዝነበረ ዮልዮስን ንናይ እስጳኛ ኤጲስ ቆጶስ ሆስዮስን (ኮርዶቨ) ንኻልኦት ደገፍቲ ኣትናቴዎስን ኵሎም ኣውገዝዎም። እቲ ኣብ ሳርዲክ ዝተጋብአ ጉባኤ ግና “ናይ እስክንድርያ ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣትናቴዎስ’ እዩ ዚብል ውሳኔ ኣመኃላለፈ።
ኣብ መንጎ እዚ ኸኣ እቲ ብኃይሊ ሰራዊት ተዓጂቡ ኣብ መንበር ማርቆስ ተቐሚጡ ዝነበረ ኣርዮሳዊ ሊቀ ጳጳስ ገርጊዮስ ሞተ። ንሱ ምስ ሞተ ኸኣ ብመሠረት ውሳኔ ጉባኤ ሳርዲክ ንጉሥ ቈንስጣንዲዮስ ንኣትናቴዎስ ናብ መንበሩ ኪምለስ ፈቐደሉ። ኣትናቴዎስ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናተሰደ ንሽዱሽተ ፮/6) ዓመታት ዚኣክል ምስ ጸንሐ ፳፩/21 ጥቅምቲ ፫፻፵፮/346 ዓ.ም ናብ መንበሩ ተመልሰ። ኣትናቴዎስ ምስተመልሰ ኣርዮሳውያን ካልእ ገበን ክሳዕ ዚፍሕሱ ንኣርባዕተ ፬(4) ዓመታት ንቤተ ክርስቲያን ኬገልግል ጸንሐ። ከም ብሓድሽ ድማ ድኅሪ ፫፻፶/350 ዓ.ም ምስ ኣርዮሳውያን ቃልሱ ቐጸለ።
ብ፫፻፶፫/353 ዓ.ም ኣብ ኣሬላቲስ ብ፫፻፶፭/355 ዓ.ም ከኣ ኣብ ሚላኖ ኣርዮሳውያን ጉባኤ ጌሮም ኣውገዝዎ፡ እቲ ኣርዮሳዊ ንጉሥ ቈንስጣዲዮስ ድማ እቲ ኦርቶዶክሳዊ ተዋሕዶ ኃዉ ቈስጠንጢኖስ ስለ ዝሞተ ነቲ ግዝኣት ደሪቡ ባዕሉ ኃዞ እሞ ብዅሉ ዝኽእሎ ዘበለ ኣርዮሳውያን ንምሕጋዝ ይጽዕር ነበረ።
ነዚ ኸም መረድኢ ዚቐርብ ከኣ በቲ ኣብ እስክንድርያ ዝነበረ ሴሪያኖስ ዝተባህለ ሓለቓ ሌጌዎን ገይሩ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ኪኅዝዎ ምእዛዙ እዩ።
፰/8 የካቲት ፫፻፶፮/356 ዓ.ም ናይ ቅዱስ ቴዎናስ በዓል ኣብ ዝኽበረሉ ዕለት፡ ፍርቂ ለይቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ከሎ እቲ ሴሪያኖስ ዝተባህለ ሓለቓ ለጌዎን 5000 ሰራዊት ኣኽቲቱ መጽአ እሞ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ኣኸበቦ፡ ንተግባራቱ ንዚተቓወሙ ምእመናን ከኣ ኬሳቒ ጀመረ።
ነቶም ምእመናን እንተኾነ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ምእመናን ዚወርድ ኃደጋ ስለ ዘሰከፎ ናይ ምክልኻል ምልክት ከየርኣየ ምስቶም ምእመናኑ ኾይኑ ግነዩ ለእግዚኣብሔር እስመ ኄር”መዝ ፻፲፯ እናበለ መዝሙረ ዳዊት እናኣተኣዛዝለ ጸኒሑ ጸሎቱ ምስተፈጸመ “እምበኣር ንስኻትኩም ውዕኡ” ኢሉ ንሱ ኢዱ ነቶም ገፋዕቲ ሰራዊት ከይሃበ ወፂኡ ምስቶም ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ዝነበሩ መነኮሳት ተሓወሰ። እቶም መነኮሳት ድማ ጸላኢ ምእንቲ ከይረኽቦ ኃብእዎ።
ንቕዱስ ኣትናቴዎስ ኣብዚ ጊዜ ስደቱ እዚ ማለት ካብ ፳፬ የካቲት ፫፻፶፯ ዓ.ም ኣትኂዙ ኣብ መንበሩ ዝተቐመጠ እቲ ኣርዮሳዊ ገርጊዮስ እዩ። ገርጊዮስ ካብታ ዝተሸመላ ዕለት ኣትኂዙ ኣብ ልዕሊ እቶም ኦርቶዶክሳውያን ተዋሕዶ ምእመናን ናይ ጭካኔ ተግባር.ግፍዒ ይፍጽም ነበረ። እቶም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ግና ሽሕ እኳ መከራ እንተጸንዖም ኣብ እምነቶም ኣዝዮም ብርቱዓት ስለ ዝነበሩ ንገርጊዮስ ዕረፍቲ ኣይሃብዎን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብ ዚሽየም ኣብ መበል ዕሥራ ወርኁ ሥልጣኑ ለቒቑ ካብ እስክንድርያ ወፅአ። ከም ብሓድሽ ፳፬/24 ታኅሣሥ ፫፻፷፩/361 ዓ.ም ናብ እስክንድርያ ኪኣቱ ኸሎ ግና ምእመናን እስክንድርያ ብማህረምቲ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።
ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ብ፫/3 ኅዳር እቲ ኣርዮሳዊ ንጉሥ ቈስጣንዲዮስ ሞይቱ መንግሥቱ ኣረማዊ ዮልዮስ ብ፫፻፷፩.፫፻፷፫/361.363 ዓ.ም ወሪሱ ነበረ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ቅዱስ ኣትናቴዎስ
፫. ንሣልሳይ ጊዜ ናብ መንበሩ ኪምለስ ከኣለ፡ እዚ ድማ ድኅሪ ሽዱሽተ ፮/6) ዓመት ምዃኑ እዩ። ካብ ፰/8 የካቲት ፫፻፶፯/357 – ፳፩/21 የካቲት ፫፻፷፪/362 ዓ.ም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ ስደት ኪምለስ ከሎ ምእመናን እስክንድርያ ስየ ኂዞም ክዳውንቶም እናኣንጸፉ ናይ ዓወት ኣቀባብላ ገበሩሉ።
፬ እንተኾነ ኣብ ሸሞንተ ወርኁ እዚ ንጉሥ ዮልዮስ ውን ንራብዓይ ጊዜ ንስደት ፈረዶ። ፳፬/24 ጥቅምት ፫፻፷፪/362 ዓ.ም ኪስደድ ከሎ ግና ንምእመናን ኣኪቡ ኣብ እምነቶም ከምዚጸንዑ ኣጆኹም ኢሉ ኣተባቢዑ ´ ኣብ ታሕታይ ግብጺ ናብ ገዳም ቲሻይዳ ኣተወ። ኣብኡ ድማ እቶም መነኮሳት ኣዝዮም ይፈትዉዎ ስለ ዝነበሩ ብጽቡቕ ተቐበልዎ፡ እሞ ከሓዲ ንጉሥ ዮልዮስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሐ።
ከሓዲ ንጉሠ ዮልዮስ ብ፫፻፷፫/363 ዓ.ም ሞተ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ብ፫፻፷፫/363 ዓ.ም ኢዮቤያኖስ ዝተባህለ ኦርቶዶክሳዊ ነገሡ። ሽዑ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብኃሙሽተ ፭/ (5) መስከረም ፫፻፷፫/363 ዓ.ም ንራብዓይ ጊዜ ናብ መንበሩ ተመልሰ።
ንኃሙሻይ ጊዜ ካብ እስክንድርያ ኪወፅእ ተገደደ። «
፭ ኣብ መወዳእታውን መሊሱ ብዘመን መንግሥቲ ኤዋሊንድዮስ
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና ነዚ ስደት እዚ ኣብ ቤት መቓብር ኮይኑ ከም ዘኅለፎ እዩ ዚንገር። ሽዑ ድኅሪ ኣርባዕተ ወርኂ ማለት ብ፫፻፷፮/366 ዓ.ም ኤዋሊንድዮስ ሠናይ ዝና ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሰምዐ። እምበኣር እዚ ሕዝቢ እዚ ካብ መንግሥተይ ከይግምጥለኒ ዚብል ፍርሃት ስለ ዘኅደረ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ንኃሙሻይ ጊዜ ናብ መንበሩ መለሶ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ናብ መንበሩ ምስተመልሰ ነቲ ብትምህርቲ ኣርዮሳውያን ተደናጊሩ ዝነበረ ሕዝቢ ክርስቲያን እናኣበራትዐን እናኣጸናንዐን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቱ ንቤተ ክርስቲያን እናመርሐ ኸሎ ኣብ መበል ፸፭/75 ዓመት ዕድሚኡ ብ ፯/7 ግንቦት ፫፻፸፬/374 ዓ.ም ዓረፈ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሥልጣን ፓትርያርክነት ዝጸንሐ ን፵፮/46 ዓመት እዩ። ካብዚ ግና ፲፯/17 ዓመት ዘኅለፈን ብማእሰርትን ብስደትን እዩ። ለ
ድርሰታት ቅዱስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ “
ኣትናቴዎስ ትምህርቱን ገድሉን ንናይ ሓዋርያት ዚመሳሰል ስለ ዝኾነ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ይብሃል።ብኣርዮሳውያንን ሰዓብቶምን ከምኡውን ብተንኰል እቶም ረብሓኦምን ጥቕሞምን ዚደልዩ ነገሥታት ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝወረደ መከራ ኣብ ሕይወት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኪንበብ ይከኣል እዩ።
ብዙኅ ድርሳናት ዝደረሰ ዓቢይ ኣቦ እዩ፡ ካብቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ
ዝጸሓፎ ንኣብነት መጽሓፈ ቅዳሴ ንዕለተ ሰንበት ዚምልከት፡ ገድለ ኣቡነ እንጦኒ ግብጻዊ ፡ በእንተ አሕዛብ፡ በእንተ ተሠግዎተ ቃል፡ በእንተ አርዮሳውያን፡ትርጓሜ መዝሙረ ዳዊትን ካልኦት ትርጓሜታት መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳንን፡ በእንተ ጉባኤ ኒቅያ፡ በእንተ መንፈስ ቅዱስ (ነቶም መቅዶንዮሳውያን ኪረትዕ ዚጸሓፎ)፡ በእንተ ድንግልና፡ ትምህርት በእንተ አርዮሳውያን፡ ከምኡን በበይኑ መልእክትታት ናብ ሰባት ዝለኣኾ ደሪሱ። ቤተ ክርስቲያን “ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ” ኢላ ክትሰምዮ ኸላ፡ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ
ድማ “ዓምደ ቤተ ክርስቲያን” ኢሉ ይጽውዖ። ኣበርክቶ ኣቡነ ኣትናቴዎስ
ሓዋርያዊ ኣብ.
1.ነገረ ክርስቶስ (Christology)
2.ነገረ መንፈስ ቅዱስ (neumatology)
3.ነገረ ቤተ ክርስቲያን (colelology)
4.ነገረ ድኅነት (Soteriology) • ነገረ ሃይማኖት (Theology
5.ነገረ ቅዱሳን
6.ነገረ መነኮሳት (Monachisrn) _
7.ነገረ ዐቀብተእምነት (Apology/Polerics) ወዘተ
ዚዝርጋሕ ሰፊሕ ኣበርክቶ ዚገበረ ቅዱስ ኣቦ እዩ።ብተወሳኺ ቀኖና ሓድሽ ኪዳን ኣብ ምውሳን ቅዱስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ልዑል ግደ ነበሮ። እዚ ድማ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ኣብ ዚልእኮ ዝነበረ መልእኽትታት እተን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅቡላት ዝኾና መጻሕፍቲ እዘን ዚስዕባ እየን ኢሉ ነተን ቅኑዓት መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ካብተን ትምዩናት ፈልዩ ብሊስታ ዘቐመጠ ኣቦ እዩ። ድኅሪኡ ዚተንሥኡ ኣቦታት ድማ ኣብ ጉባኤ ሎዲቅያ፣ ቅርጣግናን ካልኦት ጉባኤታትን ወሲኖም ነዚ ሕጂ ቀኖና ሓድሽ ኪዳን እንብሎ ኣብ ምውሳን ፍሉይ ተራ ተጻወተ። እዚ ዅሉ ኣበርክቶ ቅዱስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ንሕይወቱ ብዚደልይዋ ዝነበሩ መናፍቓንን ዓለማውያንን እናተሃድነ እዩ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ 17 ዓመታት ካብተን ኣብ ሥልጣን ዝነበረለን እዋናት ኣብ ስደት ከም ዘሕለፎ፡ ንሱ ድማ ኣርባዕተ በበይኖም ቄሳራት ሮማ ስለ ዘሳደድዎ ምዃኑ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ካልእ ሽዱሽተ በበይኑ ኣጋጣሚታት ንምቕታሉ ካብ ዝተገብረ ፈተነታት ከም ዝደኃነን ካብቶም “ሰማዕት እንበለ ደም ተባሂሎም ዚጽውዑ ኣቦታት ኪጥቀስ ዚከኣል ስቓይ ሰማዕታት ዚረኸበን ኣቦ እዩ። ዕረፍቲ ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግንቦት ዕለት ፯ (7) እዩ። ብስሙ ዝጽዋዕ ቅዳሴ’ውን ሰንበት ሰንበትን ግንቦት ዕለት ፯ን (7) ይቕደስ። ቅዱስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ብ 299 ዓ.ም. ተወሊዱ፡ ብ374 ዓ.ም ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ይኹን ኣሜን።
ሰላም ለአትናቴዎስ ላዕሌሁ ዘተነበዩ፡
ደቂቀ ክርስቲያን ኵሉ እንዘ ይትዋነዩ፡
ሊቀ ጳጳሳት ዘኮነ ወምእመነ ክርስቶስ ዲበ ንዋዩ፡
ወተሰምየ ሐዋርያዌ በኵሉ ዓያዩ፡
ከመ ሓሳሩ ብዙኅ ወፈድፉድ ሥቃዩ፡
Leave a comment
