በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፳፬/24 ሰነ ዕረፍቲ ናይ ኣባ ሙሴ ጸሊምን
ኣባ ሙሴ ጸሊም
ኣቦኡን ኣዲኡን ንጸሓይ ዘምልኹ ነበሩ።ስድራኡ ሙሴ ክብድል እንከሎ ጸሓይ ኣምላኽና ከይትቁጥዓካ ይብልዎ ነበሩ።ንሱ ግን “ጸሓይ ኣምላኽ እንተትኸውን ነይራ ክሳብ ሎሚ ኣይመጽንሓትን መቃጸለትኒ ነይራ” ኢሉ ይምልሰሎም ነበረ።ሓደ መዓልቲ ግና ጸሓይን ወርሕን ዝእዝዘን መንኮን ይኸውን ፧ “ ኦ ንጸሓይን ወርሕን እትእዝዝ እስከ ተገለጸለይ” በለ እሞ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዎ ድማ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ወሰዶ፡ ኣብኡ ድማ ካህን ረኸበ። እቲ ካህን ምስ ረኣዮ እዚ ንዓና ክጻብአና ዝመጸ ኢዩ ኢሉ ሓሰበ። ሙሴ ድማ “መን ኢዩ ኣምላኽ መሃረኒ” በሎ። እቲ ካህን ድማ ምስ ኣባ ኤስድሮስ ኣራኸቦ። ኣባ ኤስድሮስ ድማ ምሂሩን ኣጠሚቑን ንመዓርገ ምንኩስና ኣብጽሖ። ንኣርብዓ ዓመት ዝኣክል ካብ ሰብ ተፈልዩ ብዓቱ ዓጽዩ ድሕሪ ምንባር ድማ ኣብ ልዕሊ 500 መነኮሳት ኣበ ምኔት ተሸመ። መዓልቲ መዓልቲ ክምህር ይውዕል ለይቲ ለይቲ ድማ በረኻ ወፊሩ ዕንጨይቲ ኣርዩ ማይ ወሪዱ ንመነኮሳት ኣብ ኣፍ ገዝኦም ይገብረሎም ነበረ። እንተኾነ እቶም መነኮሳት እቲ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ሰብ ንሱ ምኻኑ ግና ኣይፈልጡን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ከም ልማዱ ብለይቲ ማይ ክወርድ ዕንጨት ክኣሪ እናኸደ ከሎ ሰይጣን ብድሕሪኡ መጺኡ ብእምኒ ሕቑኡ ሃረሞ፡ ተጻባኢ ምዃኑ ተረዲኡ ብዝያዳ ይተግህ ነበረ ዓቢ ተጋድሎ ድማ ገበረ።
መንፈሳዊ በዓል ኣብ ዝገብርሉ ግዜ “ምእንቲ ከተገልግለና መዓርገ ክህነት ክትቅበል ናብ ጳጳሳት ንዓናይ” ኢሎም ሒዞሞ ምስ ከዱ፡ እቶም ሊቀ ጳጳስ ስለምንታይ ነዚ ባርያ ተምጽኡልና በሉ። ብድሕሪ እዚ ሙሴ ንገዛእ ርእሱ “ጽቡቕ ጌሮሙኻ” ንገዛእ ርእሱ ኣናገሰጸ ወጸ። እመብርሃን ድማ ነቶም ዝሰጎግዎ ተገልጸትሎም እሞ ሕብሩ ጸሊም እኳ እንተኾነ ልቡ ግን ጻዕዳ ኢዩ ኢላ ወቐሰቶም። እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ድማ በቲ ዝገበርዎ ተጣዒሶም ጸዊዖም ሸሙዎ። እዚ ኪዳን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ንዘማዊ ከም ድንግል ንሓጥእ ድማ ከም ጻድቕ ከም ዝገብር የረድእ፡ “ይትባረክ ጺጌኪ ማርያም ለልብየ ፍቅርኪ ዘከፈሎ፡ ወኢያርህቀ እምኔየ በኪዳንኪ ሳህሎ፡ ትምህርተ ኪዳንኪ ይሁብ ለዘማውያን ተደንግሎ” ከም ዝበለ ደራሲ።
ብድሕሪ’ዚ ሸውዓተ ካብ ደቀ መዛመርቱ ኣኸቲሉ ናብ ኣባ መቃርስ ከይዱ ከሎ ጸላእቲ ንገዳሙ ከቃጽሉ ንዕኦም ድማ ክቐትሉ መጹ። ካባኹም ዝፈርሀ ይህደም ድማ በልዎም። ኣባ ንስኻ ህደም በልዎ። ኣባ ሙሴ ድማ ንሞት ፈሪሄ ንሰማእትነት ጸሊኤ ዝሃድም’ዶ መሲልኩም ኢሎም መለስሎም። እቶም ባርበራውያን ድማ መጽዎም ኣባ ሙሴ ነፍሲ ኣጥፊኡ ስለ ዝነበረ “ደም ብዘይ ደም ስለ ዘይጸሪ ደመይ ዉን ይፍሰስ” ኢሎም ክሳዶም ንሴፊ ሂቦም ብሰማእትነት ዓረፉ። ሽዱሽተ ካብ ደቂ መዛሙርቶም ድማ ንዕኡ ተኸቲሎም ክሳውዶም ንሴፊ አናሃቡ ሰማእትነት ተቐበሉ። እዚ ዝተፈጸመ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን እዩ።
ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን ሙሉእ ትህዝቶ ናይ ኣባ ሙሴ ጸሊም ታሪኽ ንምክትታል ብትግርኛ ተተርጒማ ብቤ/ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም ቤ/ክ መድሃኔ ኣለም እስራኤል ተዘርጊሓትልኩም ኣላ!!!
፩፰ አቡነ ሙሴ ጸሊም
፩.፰.፩ ናይ መጀመርታ ሕይወት፣ ከምዝበሃል፡ ካብቶም ብምዝራፍ ጥራይ ዝነብሩ ሰርቕቲ ዓሌት በርበር ኢዩ ዝብል ንሱ ብርግጽ ኣበይ ዓድን ካበይ ዓሌትን ከምዝተወልደ ኣይፍለጥን ኢዩ፥ እንተኾነ ግና ግምት ኣሎ፥ እቲ ጭቡጥ ዝበሃል ታሪኹ፡ ካብ ቁልዕነቱን ወይ ንእስነቱን ፈጺሙ
ዘዕግብ ግብሪ ከምዘይብሉ ኢዩ።
፩.፰.፪ ናይ ንስሓ ሕይወቱ፣
ሽሕ’ኳ እቲ ብከፉእ ተግባር ዝተመልአ ናይ ጸልማት ሕይወቱ፡ ኣብ ቕድሚ እግዚአብሔር ግሉጽ እንተኾነ፡ መሓሪ ዝኾነ ኣምላክ ኣብ ልቢ ሙሴ ጸሊም ምስኡ ናይ ምንባር ድሌትን ሃረርታን ከም ዘሎ ረኣየ። ሓደ እዋን ሙሴ ጸሊም ናብታ ብዘይካኣ ካልእ ኣምላክ የለን ኢሉ ዝምክሓላ ዝነበረ ጸሓይ እናጠመተ “ኣቲ ጸሓይ ንስኺ ሓቀኛ ኣምላክ እንተኮንኪ ኣፍልጥኒ፡ ኣታ ኣነ ዘይፈለጥኹኻ ሓቀኛ ኣምላከ መን ምዃንካ ኣፍልጠኒ!” ኢሉ ጸለየ። ድኅሪዚ “ንሓቀኛ ኣምላክ ዝፈልጡ ሰብዐ መነኮሳት ናይ ኣስቄጥስ ኣለዉ።” ዝብል ድምጺ ሰምዐ’ሞ፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ ብዛዕባ ናይ ገዳውያን ቅዱሳን ኣቦታት ንጽሕና: ቅድስናን ንኻልኦት ሰባት ናይ ምስሓብ ዘለዎም ብቕዓትን ዓቕምን ተረድአ። ስለዚ ካብ ዘለዎ ተንሢኡ፡ ሰይፉ ተዓጢቑ፡ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ከደ።
ብድኅሪዚ ኣብ ገዳም ምስ በጽሐ፡ ምስ አቡነ ኤስድሮስ ተራኸበ እሞ፡ ምእንቲ ድሕነት ነፍሱ ክመኽሮን ክምህሮን ለመኖ፥ አቡነ ኤስድሮስ ድማ ብዛዕባ ቃል እግዚአብሔር ብዙሕ ክምህሮን ክሰብኮን ጀመረ፥ ብዛዕባ’ቲ ናይ መወዳእታ ፍርድን ድሕነትን’ውን ተዛረቦ። እቲ ናይ እግዚአብሔር ቃል ሕይወት ከኣ ኣብ ውሽጢ ልቡን ነፍሱን ሰረጸ’ሞ፡ ንብዓቱ ከም ንኣትክልቲ እተስትየሉ ፈልፋሊ ማይ ወሓዘ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ኩሉ ክፍኣት ብመሪር ጣዕሳ እናዘከረ፡ ንስጋኡ ቀጽዓ ፡ድቃስ ለይቲ’ውን ሰኣነ። በዚ መንገዲ’ዚ ከኣ ነቲ ናይ ክፋእ ሕይወቱ ካብ ውሽጢ ልቡ ጸልኦ እሞ፡ ካብኡ ፈጺሙ ክርሕቕውን ወሰነ።
ንስሓ ብኃጢኣቱን ምሥጢር ጥምቀቱን፣
ቅዱስ ኤስድሮስ ከኣ ናብ አቡነ መቃርዮስ ዓቢይ ክምዕዶን ኣባታዊ ምኽሪ ክህቦን ወሰዶ። አቡነ መቃርዮስ ከኣ ብሕያውነትን ብርህራሄን ክሳዕ ጸጋ ጥምቐት ዝህቦ መሃሮን መዓዶን። ድኅሪዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ኣቦታት ኣስቄጥስ
ብብርኩ ተደፊኡ፡ ብዓውታ ነቲ ዝሓለፈ ሓጢኣቱን ገበኑን ተናዘዘ፡ ካብ ብዙሒ ትሕትናኡን ብዝሒ ንብዓቱን ከኣ ንኩሉ ዝጥምቶ ኣዝዩ ዘደንግጽ ኮነ። ኣብዚ እዋን ንስሓኡ ቅዱስ አቡነ መቃርዮስ ዓቢይ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ጸሊም ሓንቲ ብጸሊም ዝተጻሕፋ ሉሕን መልኣኽ እግዚአብሔርን ረኣየ፡ _ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣቱ ዝተነስሓሉ ግዜ ድማ መልኣኽ እግዚአብሔር ካብቲ ብጸሊም ዝተጻሕፈ ሓጢኣቱ ሓንቲ ይድምስ ነበረ። ሙሴ ጸሊም እናተነስሐ፡ እቲ መልኣኽ ከኣ እናደምሰሰ፡ እታ ብጸሊም ጽሑፍ መሊኣ ዝነበረት ሉሕ ከም በረድ ጻዕዳ ኮነት።
፩.፰.፫ ናይ ምንኩስና ሕይወቱ፣
ድኅሪ ብአቡነ ኤስድሮስ ምምካሩ ምስ መነኮሳት ክቕመጥ ጀመረ፡ ሙሴ ጸሊም ኣብ ዝሓለፈ ሕይወቱ ንኹለን ዓድታት ዘፍርሕን ዘንቀጥቅጥን ስለ ዝነበረ፡ ኩሎም መነኮሳት ይፈርሕዎ ነበሩ። እንተኾነ ግና ብትሕትናኡን ናይ ምንኩስና ሥርዓቱን መንፈሳዊ ገድሉን ኣብነት ኮነ’ሞ፡ በጻሕቲ ስለዝበዝሕዎ፡ ቅዱስ መቃርዮስ ናብ ዝረሓቐ ኣጻምእ ቦታ ርሒቑ ኽቕመጥ ኣዘዞ። ኣብዚ እዋን እዚ ቅዱስ ሙሴ ነቲ ቃል ተኣዚዙ፡ ካብ ኩሉ ሪሒቑ ንበይኑ ተፈልዩ ክነብር ጀመረ፡ መንፈሳዊ ገድሉ ካብ ዕለት ንዕለት ዛየደ፡ ብመንፈሳውነቱ’ውን ኣዝዩ ዓቢይ ኮነ፡ ብጾምን ብጸሎትን ኣዝዩ ተጸምደ፡ ብዓሙቕ ኣስተንትኖ ከኣ ዓቢይ ናይ ጣዕሳ ጸጋ ኣጥረየ። እንተኾነ ግና ሰይጣን ነዚ ኩሉ ግብሪ’ዚ ቅዱስ እናረኣየ፡ ክጽመም ኣይከኣለን፡ ስለዚ ከኣ ብኩሉ ሓይሉ ክጋደሎ ጀመረ።
፩.፰.፬ ገድሉን ዓወቱን ኣብ ሕይወት ምንኩስና
፩– ኣብ ጾምን ጸሎትን ምልምማድ፣
ሰይጣን፡ ወትሩ ብጾምን ጸሎትን ዝተጸምደ ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ ናብ እግዚአብሔር ከምዝተመልሰን ሕይወቱ ከምዝበርሀን ምስኣስተውዕለ፡ ንዝገብሮ ዝነበረ ኩሉ ክፉእ ስራሕ ኣብኣእምሩኡ ከምስእሊ እናኣመላለሰ ኣሸገሮ’ሞ፡ ቅዱስ ሙሴ ጸሊም ናብ ቅዱስ ኤስድሮስ ከይዱ ንስጋኡ ከምማዕበል ዝገማጥላ ዘሎ ኽፉእ ሓሳባትን ኣንጻሩ ዝቐንዐ ኩሉ ፈተነታት ጸላኢ ሰናያት ነገሮ። ንሱ ከኣ እናኣጻናንዐ ከምዚ በሎ፡ “ንስኻ በዚ ነገር እዚ ፈጺምካ ኣይትሕዘን፡ ገና ኣብቲ ናይ መጀመርታ ፈተና ኢኻ ዘለኻ፡ ንነዊሕ ጊዜ ከኣ እቲ ናይ ፈተና ንፋሳት ክመጻካ ኢዩ፡ ንመንፈስካ ከኣ ቁልውላውን ሻቑሎትን ክገብረላ ኢዩ’ሞ ኣይትፍራሕ ዋላ’ውን ኣይትሰንብድ። ንስኻ ኣብ ጾም፡ ጸሎትን ንቕሓትን እንተበርቲዕካ፡ ነቲ ኣብዓለም ዘሎ ከንቱ ነገራት እንተጸሊእካ፡ ሽዑ ካብዚ ሥጋዊ ስስዕቲ ነጻ ክትከውን ኢኻ።” ስለዚ ቅዱስ ሙሴ ጸሊም በዚ ቃላት ናይ
ቅዱስ ኤስድሮስ ኣዝዩ ተማህረ፡ ናብ ገዝኡ ብምምላስ ከኣ ንሥጋኡ ከድከም ዝኽእል ብዙሕ መደባት ኣውጽአ፡ ካብዚ እዋን’ዚ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ቁሩብ ሕብስቲ ጥራይ
ይበልዕ ነበረ፡ ኣብ ናይ ኢደ ሥርሓትን ጸሎትን ከኣ ኣዝዩ ንጡፍ ኮነ።
2- ምኅጋዝ ንብጾቱን ካብ ብዘይ ስራሕ ኮፍ ምባል ምህዳሙ፣
እቲ ማይ ዘምጽእሉ ስፍራ ካብ ገዳሞም ኣዝዩ ርሑቕን ኣሸጋሪን ዝኾነ መንገዲ ነበሮ’ሞ፡ ነዚ ነገር እዚ ቅዱስ ሙሴ ንሥጋኡ ዘድከመላ ዕድል ምዃኑ ኣስተውዓለ፡ ስለዚ ዕትሮ ነፍሲ ወከፍ መነኮስ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ስለዝቕመጥ ምእንቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ንዅሎም መነሳት ኣሕዋቱ ባዕሉ ክወርደሎም ወሰነ። ምሸት ምስ ኮነ ከኣ ብናይ ሽማግለታት ኣቦታት ዓታሩ ጀሚሩ፡ ማይ ክመልእ ሓደረ። እንተኾነ ግና ሰይጣን ንሒደት መዓልታት ተዓጊሱ ድኅሪምጽናሕ፡ ሓደ ጊዜ ከምልሙድ ቅዱስ ሙሴ ማይ ክመልእ ናብዒላ ምስወረደ፡ ዓጽሙ ክሳዕ ዝስበር ኣትሪሩ ሃረሞሞ: ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ኣብ ምድሪ ወደቐ፡ ዝሞተ’ውን መሰለ። ገለ መነከሳት ከኣ ወዲቑ ምስ ጸኒሖም ተሰኪሞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰዱዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ እቲ ቅዱስ ንሠለስተ መዓልቲ ኣብ ገዳም ምስ ጸንሐ ሃለዋቱ ፈለጠ።
3- ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሱቡር ኰንካ ብኃጢኣትካ ምትእምማን ኣብ ገዛእ ሓይልኻን ንጽሕናኻን ዘይምውካልን፣
ዝያዳ ፈተና ብዝበዝሓሉ መንጽር፡ ዝያዳ መንፈሳዊ ድሉ ምናልባት ብዘይ ኣፍልጦ ከይዱ ዘጋጠሞ ኩሉ ምስ ነገሮ’ሞ ኣቦ
አቡነ ሙሴ ኣብ ናይ ምንኩስና ሕይወቱን ምናኔኡን ኣዝዩ እናዓበየ ከደ፡ እቲ ምስገዛእ ርእሱ ዝገብሮ ገድሊ ከኣ ኣብ ዝዓበየ ደረጃ በጽሐ። ሽሕ’ኳ ንፈተነታት ሥጋኡ ንኸጥፍእ ብንቕሓትን ብነፍስኻ ምጽላእን ይጋደል እንተነበረ፡ እቲ ርኹስ ተግባር ናይ ፈለማ ሕይወቱ ኣብ ሓሳቡ ይመላለሶ ነበረ። ይጋደልን ይዋጋእን ነበረ፡ እንተኾነ ግና እዚ ኣቦ ንስሓኡ ነበረ። ሓደ እዋን ናብ ኣቦ ንስሓኡ ንስሓኡ ከኣ ከምዚ በሎ፡ “ንዓኻ ዘድልየካ ኩሉ ነገር ዋላ’ኳ ናይ ናብራ ምንኩስናን ምናኔን እንተኾነ ብመጠንን ማእከላይ ደረጃን ምሓዝ ኢዩ። ወደየ ሓይሊ ወዲሰብ ዝተወሰነ ኢዩ’ሞ፡ ምስ ሰይጣውንቲ ምውጋእ ምውጋእ ኣቛርጾ፥ እግዚአብሔር እንተዘይሚሕሩካ፡ ንሱ ከኣ ኣብ ልዕሌኦም ዓወት እንተዘይህበካ፡ ፈጺምካ ክትዕወተሎም ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጂ ኪድ’ሞ ኩለንትናኻ ንእግዚአብሔር ወፊ፡ ኣብ ቕድሚኡ ከኣ ውደቕ፡ ንነፍስኻ ንዒቕካ ኩሉ ጊዜ ቱሑት ኩን፡ እግዚአብሔር ንምጽማምካን ትሕትናኻን ምስረኣየ ክምሕረካ ኢዩ።” ሙሴ ከኣ “ኣነ በቲ ኣብ እግዚአብሔር ዘለኒ እምነትን ተስፋን ክሳዕ ካባይ ፈጺሞም ዝርሕቑ፡ ንሰይጣውንቲ
ካብ ምግዳሎም ኣይክዓርፍን ኢየ፡ ንሱ ከኣ ደገፉ ክህበኒ ኢዩ።” በለ። ኣብኡ ቅዱስ _ ኤስድሮስ እዚ እምነት እዚ ምስ ረኣየ፡ “ኣነ እውን ከማኻ ብጐይታና ኢየሱስ ከርስቶስን ብስሙን ይኣምን ኢየ፡ ካብዚ እዋን እዚ ከኣ እቲ ናይ ሰይጣውንቲ ውግእ ክሳዕ መጨረሽታ ፈጺሙ ካባኻ ክርሕቕ ኢዩ፡ ሕጂ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪድ እሞ፡ ካብ ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ተቐበል! በሎ። ቅዱስ ሙሴ ከኣ በዚ ምኽሪ ጸኒዑ ከምቃል ኣቡኡ ክነብር ድኅሪ ምጽናሑ፡ እግዚአብሔር ዓቢይ ጸጋ ናይ ትሕትናን ህድኣትን ሃቦ፡ እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝመላለሶ ዝነበረ ክፉእ ሓሳብ ከኣ ኣርሓቐሉ፡ ብሰላምን ብዝሒ ጥበብን ከኣ ክነብር ጀመረ።
፩.፫.፭ ገድሉ ኣብ ቁም ነገሩ
፩– ትሕትናኡን ምጽማሙን ንውርደት፣
ሓደ ጊዜ ንአቡነ ሙሴ ክፍትኑዎ ዝደለዩ ኣቦታት መነኮሳት ተኣኪቦም እንከለዉ፡ ናብኦም መጸ’ሞ፡ ተቖጢዖም ብዓውታ “ንምንታይ እዚ ሓርፋፍ መጺኡ፡ ኣብ ማእከልና ዝቕመጥ፧” በልዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ አቡነ ሙሴ ፈጺሙ ስለዘይተዛረበ፡ ኣኼባኦም ምስ ተወደአ፡ ንሳቶም “ኦ ኣቦና ንምንታይ ኢኻ ዘይሓረቕካ ወይ ሕማቕ ዘይተሰመዐካ፧” በሉዎ’ሞ፡ ንሱ ከኣ “ብሓቂ ኣነ ናይ ሕርቃንን ቑጥዓን ስምዒት ተሰሚዑኒ ኢዩ፡ እንተኾነ ግና ኣይተዛረብኩን።” ኢሉ መለሰሎም። እዚ ኣበሃህላ ዘይተረድኦም ገለ መነኮሳት ከኣ ንገለ ኣቦታት “አቡነ ሙሴ “ብሓቂ ኣነ ናይ ሕርቃንን ቑጥዓን ስምዒት ተሰሚዑኒ ኢዩ፡ እንተኾነ ግና ኣይተዛረብኩን።’ ዝበለ እንታይ ማለቱ’ዩ፧” ኢሎም ክሓትዎም ስለ ዝሰምዐ፥ እቲ ኣቦ ከኣ ከምዚ በለ “እቶም ብቑዓት ዝበሃሉ መነኮሳት ብኽልተ ነገራት፡ ማለት ህድኣት ህዋሳት ሥጋን ህድኣት ህዋሳት ነፍስን ፍጹማን ኢዮም። ህድኣት ህዋሳት ሥጋ ዘለዎ ሰብ፡ ደቂ ሰባት ምስዝጸርፍዎን ዘዋርድዎን ዋላ’ኳ እንተሰንበደ፡ ምእንቲ ክብሪ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢሉ ኩሉ ዝዕገስን ፈጺሙ ዘይዛረብን ኢዩ። ህድኣት ሕዋሳት ነፍሲ ዘለዎ ሰብ ከኣ ደቂ ሰባት ምስዝጸርፍዎን ዘዋርድዎን ፈጺሙ ዘይስንብድ፡ ኣብ ውሽጡ ኮነ ኣብ ደጊኡ ሕማቕ ዘይስመዖን ቑጥዓ ንልቡ ዘይትንክፎን ኢዩ።”
ብዛዕባኡ ከም ዝበሉና፡ ከህነት ተቐቢሉ ፃዕዳ መቐደሲ ልብሲ ምስለበሰ፡ ሓደ ካብ ጳጳሳት ከኣ “አቡነ ሙሴ ኵለንትናኻ ፃዕዳ ኴንካ!” በሎ’ሞ፡ ንሱ ከኣ ከምዚ በለ፡ “ኣነ ዝምነዮ እቲ ውሽጠይ ከምዚ ደገይ ክኸውን ኢዩ!’ በሎ። ብድኅሪ’ዚ እቲ ሊቀ ጳጳሳት ክፍትኖ ደለየ’ሞ ነቶም መነኮሳት “አቡነ ሙሴ ናብ ቅድስተ-ቅዱሳን እንተመጺኡ፡ ስጎጉዎ እሞ፡ እንታይ ከም ዝብል ክንሰምዕ ኢና።” ስለዝበሎም፥ አቡነ ሙሴ ናብ ቅድስተ-ቅዱሳን ምስ ኣተወ ከኣ ብሕርቃን እናጸረፉ ኣውጽእዎ፡ ከምዚ ከኣ በልዎ • ኣታ ሓርፋፍ ባርያ ካብ ቤተ ክርስቲያን ውጻእ!” ንሱ ከኣ እናወጸ “ጽቡቕ ገበሩኻ ኣታ በዓል ጸሊም ቆርበት፡ ንስኻ ሰብ ዘይኮንካስ ስለምንታይ ምስ ሰባት ክትሳተፍ መጽእካ፧” በለ።
2- ካብ ከንቱ ውዳሴ ምህዳሙ፣
ኣብ ግዜ ሽምግልና ቅዱስ ሙሴ፡ ሓደ ብዛዕባ ቁም-ነገሩ ዝሰምዐ ናይ ከባቢኦም ዳኛ ንኸርእዮ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ይመጽእ ነበረ’ሞ፡ ቅዱስ ሙሴ እዚ ምስፈለጠ፡ ካብ ከንቱ ውዳሴ ንምህዳም፡ ኣብገምገም ቀላይ ኣብ ዝርከብ ቃንጫ ብምስፋር፡ ምስቲ ዳኛን ክቡራት ዓሌቱን ኣብ መገዲ ተራኸበ። እቲ ዳኛ ከኣ “ኣታ ክቡር ኣቦ ናይ ኣባ ሙሴ ቤት’ዶ ከተርኢየና ምኻኣልካ፧” ብምባል ተወከሶ’ሞ፡ ንሱ ከኣ “ካብኡ እንታይ ክትመሃር ትደሊ፧ ንሱ ሸምጊሉ ኢዩ፡ ብቅንዕና’ውን ኣይኮነን ዘሎ።” ኢሉ መለሰሉ። እዚ ዘረባ ነቲ ዳኛ ስለዘኾረዮ፡ ገዲፍዎ መንገዱ ቀጸለ፡ ኣብ ኣፍደገ ገዳም ምስ በጽሐ ኩሎም መነኮሳት ክጽበዩዎ ጸንሑ፡ ንሱ ከኣ እናተቖጥዐ “ኦ ኣቦታተየ ኣነ ብዛዕባ ኣባ ሙሴ ብዙሕ ዘረባ ሰሚዐ ኣለኹ፡ ኣነ ከኣ ናብዚ በረካ ዝመጸኹ ንዕዑ ከርኢ ኢዩ። እንተኾነ ግና ካብዚ ርሕቕ ኣብ ዝበለ ሓጽቢ ዘለዎ መገዲ፡ ሓደ ዓቢይ ኣቦ ተጓነፈኒ፡ ኣነ ከኣ ቤት አቡነ ሙሴ ከርኢየኒ እንተሓተትኩዎ፡ ናብኡ እንተኬድካ ብዙሕ ክትደክም ኢኻ፡ ካብኡ እንታይ ክትመሃር ትደሊ፧ ንሱ ሸምጊሉ ኢዩ፡ ብቅንዕና’ውን ኣይኮነን ዘሎ።” ኢሉ መለሰለይ።” በሎም። እዚ ዘረባ እዚ መነኮሳት ኣቖጥዖም፡ እናጨደሩ ከኣ “እዚ ዘረባ እዚ ጌጋ ኢዩ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ኩሉ ኣስቄጥስ ብክብሩን ቅድስናኡን ፍሉጥ ዝኾነ ኣቦ፡ ከምዚ ኢሉ ዝዛረበካ በዓል ድኹም ኣእምሮ ሽማግለ ሰብኣይ መን ኢዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እቲ ክቡር በጻሒ ከኣ “እቲ ዝረኸብኩዎ ሽማግለ ኣቦ ኣካላቱ ቀጢን፡ ልብሱ ነዊሕን ኣዝዩ ዝኣረገን፡ ገጹ ብሰንኪ ፀሓይ ኣዝዩ ዝጸለመ፡ ጭሕሙ ነዊሕን ፃዕዳን፡ ፍርቒ ርእሱ ከኣ ዝበርሐ ኢዩ። ብምባል ገለጸሎም። ሽዑ ንሳቶም ነቲ ምስጢር ተረድእዎ፡ እቲ ዳኛ ምስ አቡነ ሙሴ ከም ዝተራኸበን እቲ ኩሉ ዝተባህለ ቃላት ከኣ አቡነ ሙሴ ብገዛእ ርእሱ ዝተዛረቦ ምዃኑን ፈለጡ፡ ነቲ ዳኛ ከኣ ነገርዎ፡ ንሱ ከኣ ኣዝዩ እናተደነቐ ቦትኡ ተመልሰ።
3- ምናኒኡ፣
ሓደ ጊዜ ቅዱስ ሙሴ ጸሊም ኣብ እዋን ምሳሕ ኣብ መኣዱ ዝተጠብሰ ተመን ቀሪቡ እንከሎ፡ ካብ ገዳም ኣጋይሽ መነኮሳት ክበጽሕዎ መጽኡ እሞ፡ ምስኡ ክበልዑ ደለዩ።
ንሱ ግና ከይበልዑ እናኸልከለ “ኣሕዋተየ ናብኡ ኣይትቕረቡ፡ ምኽንያቱ ንሱ እቲ ክፉእ ኣራዊት ተመን ኢዩ።” በሎም’ሞ፡ ንሳቶም ከኣ “ኣቦናየ ስለምንታይ ከምኡ ገበርካ፧” ኢሎም ሓተትዎ፥ ንሱ ከኣ “ኣሕዋተየ እዛ ምስኪን ሰብነተይ ዓሳ ክትበልዕ ሃረፈት፡ ኣነ ከኣ ምእንቲ እቲ ከፉእ ስስዐዓ ከቋርጽ ከምዚ ገበርኩ።” ኢሉ መለሰሎም። እቶም መነኮሳት ከኣ ኣዝዮም ተገረሙ፡ ነቲ ንቕዱሳኑ ዓቢይ ጸጋ ዝሃበ እግዚአብሔር’ውን ኣመስገኑ።
4- ኃይሊ ጾሎቱ፣
ብዛዕብኡ ከም ዝተባህለ፥ አቡነ ሙሴ ኣብ በዓቲ ክሰፍር ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ካብ ብዝሒ ትግሃትን ንቕሓትን ኣዝዩ ስለዝደኸመ፡ “ንዋኒነይ ዝኸውን ማይ ኣብዚ ከውሒ እዚ ኣበይ ክረክብ ኢየ፧” እናበለ ምስ ነፍሱ ይዛረብ ነበረ’ሞ፡ ካብ ሰማይ ዝመጽአ ድምጺ “ንስኻ ጥራይ ናብ በዓትኻ እቶ፡ ብዝኾነ ነገር’ውን ኣይትገደስ።” በሎ፡ ንሱ’ውን ናብ ቤቱ ኣተወ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣቦታት ተኣኪቦም ክበጽሕዎ ኣብዝመጹሉ ግዜ፡ ብዘይካ ንእሽቶ ሳርማ ማይ ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮን። ስለዚ እታ ዘላቶ ማይ ቁሩብ ዓደስ ስለዘብሰለላ ተወድአትሞ፡ እቲ ኣቦ ጎሃየ ኣዝዩ’ውን ተረበሸ፡ ገዝኡ እናወጸ እናኣተወ ድማ ይጽሊ ነበረ። ብድኅሪ’ዚ ኣብልዕሊ’ቲ ሰፊሩዎ ዘሎ ከውሒ ደመና ተኣከበ’ሞ፡ ዝናም ዘኒሙ ንኩሉ ኣቑሑቱ ማይ መልኣሉ፡፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ እቶም ኣቦታት “ኣቦና ስለምንታይ ኢኻ ክትኣቱን ክትወጽእን ጸኒሕካ፧” በልዎ’ሞ፡ ንሱ ከኣ “ኣነ “ንስኻ ኢኻ ናብዚ ቦታ እዚ ዘምጻእካኒ፡ ባርያኻ ዝሰትዮ ማይ ከኣ የብለይን፡ ምእንቲ ባሮትካ ከሰትዩ ማይ ሃበኒ።’ ብምባል ንእግዚአብሔር እናልመንኩ፡ ክሳዕ ማይ ዝልእከልና፡ ክኣቱን ከወጽእን ጸኒሐ።” በሎም።
5- ነቲ ተግባሩ ሓቢኡ ንሕጊ እግዚአብሔር ምሕላዉ፣
ኩሎም መነኮሳት ገዳም ኣስቄጥስ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ናይጾም ሱባኤ ኣብዝኣተውሉ እዋን፡ አቡነ ሙሴ በጋጣሚ ኣጋይሽ ስለዝመጽእዎ እናኣዳለወሎም እንከሎ፡ ጎረባብቱ መነኮሳት ካብ ገዝኡ ብዙሕ ትኪ ረኣዩ’ሞ፡ ንኣበምኔቶም “እዚ ድዩ እቲ ሙሴ እንብሎ ንሥርዓትና ኣፍርሱ፡ ኣብ ጊዜ ሱባኤ መግቢ ዘዳሉ፧” እናበሉ ነገርዎ። ንሱ ከኣ “ብፍቃድ ኣምላከ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ከንገንሖ ኢና።” ብምባል ኣተሃዳዲኡ ሰደዶም። ቀዳም ምስ ኮነ ድማ እቲ ጠንቒ ፈለጡ እሞ፡ ንአቡነ ሙሴ ኣብ ቕድሚ ማሕበር፡ “ኦ ኣባ ሙሴ ብሓቒ ንስኻ ሕጊ ሰብ ጥሒስካ፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ(ዮሓ 13፡34)።’ ዝብል ሕጊ ኣምላክ ከትገብር ዝፈተኻ ኢኻ” በልዎ።
6- ኣብ ቤት ኮፍ ምባሉ ንሓዘናቱ ምጽማምን፣
ብዛዕብኡ ከም ዝተባህለ፥ ሓደ እዋን አቡነ ሙሴ ጸሊም ናይ ዝሙት ፈተነታት ኣዝዮም በርትዕዎ’ሞ፡ ናብ አቡነ ኤስድሮስ ከይዱ ኩሉ’ቲ ዘጋጠሞ ነገሮ። እንተኾነ ግና አቡነ ኤስድሮስ ናብ ቤቱ ከምለስ ስለዝኣዘዞ፡“ኦ መምህር ኣነ ፍጹም ኣይከኣልኩን።” በሎ። አቡነ ኤስድሮስ ድማ ብኢዱ ሒዙ፡ ናብ ናሕሲ ቤተ ክርስቲያን ኣውጽኦ፥ “ናብ ምዕራብ ገጽካ እስከ ጠምት!” ከኣ በሎ፡ ንሱ ከኣ ብዙሓት ኣጋንንቲ ረኣየ፥ ከም እንደገና “ናብ ምብራቕ ገጽካ እስከ ጠምት!” በሎ፡ ሕጂ’ውን መላእኽቲ ንእግዚአብሔር እናመስገኑ ረኣየ። ብድኅሪ’ዚ ኣቡነ ኤስድሮስ “እዞም ኣብ ምዕራ ዝረኣኻዮም ንዓና ዝፍቱኑናን ዝዕንቅፉናን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ኣብ ምብራቕ ዝረኣኻዮም ግና ንዓና ዝሕግዙና ኢዮም። እሞ’ኸ ድኣ እዞም ኣብ ምብራቕ ዝረኣኻዮም መላእኽቲ ዝዋግኡልና ካብ ኮኑ ክንሕይል’ዶ ኣይግባኣናን ኢዩ፧” በሎ’ሞ፡ አቡነ ሙሴ ከኣ ተሓጒሱ፡ ንእግዚአብሔር እናኣመስገነ ብዘይ ፍርሒ ናብ ቤቱ ተመልሰ። ከም ዝተባህለ ሓደ መነኮስ ጋሻ ናብ አቡነ ሙሴ መጺኡ፡ “ሓንቲ ከመሃረላ ዝኽእል ቃል ሃበኒ! በሎ” ንሱ ከኣ፣ “ኪድ እሞ፡ ናብ ቤትኻ እቶ፥ ንሳ ከኣ ከትምህረካ እያ።” በሎ።
፩.፫.፮ ሥነ ምግባሩ፣
ምርሕራሕ ንኃጢኣተኛታት ኣብ ልዕለኦም ከኣ ዘይምፍራድ፣
ከም ዝተባህለ፡ ሓደ መነኮስ ኣብ ኣስቄጥስ ኃጢኣት ብምስርሑ ንዕኡ ንምፍራድ ኣኼባ ስለዝተሰርዐ፡ ኩሎም ኣቦታት መነኮሳት ተኣከቡ፡ አቡነ ሙሴ ከኣ ምስኦም ንኸጽንበር መልእኽቲ ተሰደሉ። ንሱ ግና ምስኦም ክጽንበር ስለዘይደለየ፡ ነቲ ልኡኸ “ንዓይ ኣይጥዕመን ኢዩ።” በሎ’ሞ፡ ኣበምኔት ናብኡ ከይዱ “ኩሎም ኣቦታት ንዓኻ ይጽበዩ ኣለዉ።” በሎ። ስለዚ እቲ ቅዱስ ሓመድ ዝመልአ ቀዳድ ከሻ ኣብ እንግድዕዑ ተሰኪሙ ኣብቲ ኣኼባ መጸ። ነዚ ዝረኣዩ ኣቦታት ብምግራም፡ “ኣቦና እዚ እንታይ ኢዩ፧” በልዎ’ሞ፡ ንሱ ከኣ “እዛ ብድኅሪት ሕቖይ እናፈሰሰት እንከላ ኣነ ግና ዘይራኣ፡ ሓጢኣተይ ኢያ። ሎሚ ከኣ ንኻልኦት ንኽፈርድ መጺአ ኣለኹ።” በሎም። እዚ ዘረባ ምስ ሰምዑ ከኣ እቶም ኣቦታት ነቲ መነኮስ ኣይፈረድዎን፡ ነቲ ቅዱስ ከኣ ብዝኾነ ነገር ከኣ ከሕዝንዎ ኣይደለዩን።
ኩሉ ጊዜ ኣቦታት ከም ዝምስክሩሉ፥ እቲ ገጽ አቡነ ቢምዋ ከም ጩራ ፀሓይ ከብለጭልጭ እንከሎ፡ ገጽ አቡነ ሙሴ ከም ናይ ኣዳም ክብረት የብርህ ነበረ። ከምኡውን ግርማኡ ልክዕ ከም ግርማ አቡነ ስልዋኖስን አቡነ ቢሶይን፡ ከም ሓደ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ፡ ኣብ መንበሩ ዝተቐመጠ ንጉሥ ነብረ።
፩.፫.፯ ሰማዕትነቱ
ኣብ መወዳእታ መዓልታት ሕይወቱ፡ ሸውዓተ መነኮሳት ኣብጎኑ ተቐሚጦም ከቢቦምዎ እንከለዉ፡ ቅዱስ ሙሴ “ሎሚ እቶም ኣረማውያን ናብ በረኻታት-ኣስቄጥስ ክመጽኡ ኢዮም’ሞ፡ ተንስኡ ኪዱ ህደሙ።” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ኣቦና ንስኻ’ኸ ክትሃድም’ዶ ኣይትደልን ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ’ሞ፥ ንሱ ከኣ፡ “ኣነ …ሰይፊ ዜልዕሉ ኹሎ ብሰይፊ ከጠፍኡ ኢዮም። (ማቴ. 26፥52)’ ዝብል ቃል መድኃኒና መታን ክፍጸም፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ መዋእለይ ብሃንቀውታ ተጸበኽዋ።” ኢሉ መለሰሎም። ብድኅሪ’ዚ ንሳቶም’ውን “ንሕና ፈጺምና ክንሃድም ኣይንደልን ኢና፡ ምሳኻ ክንመውት ኢና።” በልዎ እሞ፥ ንሱ ከኣ “ኣነ ኣይግድደኩምን ኢየ፡ ድሌትኩም እንተኾይኑ ግና ሕራይ ምሳይ ኩኑ።” ኢሉ መለሰሎም፥ በሎም ከኣ “ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ዝደልዮ መታን ክሰፍር ብነፍሱ ይሕለ።” ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ ቅዱስ ሙሴ “እቶም ኣረማውያን ኣብዚ ኣፍደገና በጺሖም ኣለዉ።” በሎም’ሞ፥ ሽዑ ንሽዑ እቶም ኣረማውያን ኣትዮም ንኩሎም ብስሕለት ሰይፊ ክቐትልዎም ጀመሩ። እንተኾነ ግና ሓደ ካብኣቶም ኣዝዩ ስለዝፈርሐ፡ ሃዲሙ ኣብ መንጎ ተንኮበት ተሓብአ’ሞ፡ ሸውዓተ ኣኽሊላት ካብ ሰማይ ወሪደን ኣብ ርእሲ እቶም ዝተሰየፉ ሰማእታት ክቐመጣ ረኣየ።
፩.፰፰ ቃላት ቅዱስ ሙሴ ጸሊም ኣብ ሥነ–ምግባርን ኣብ እከይን
ፍርሓት እግዚአብሔር ንዅሉ እከይ የርሕቐልና፥ እንተ ትህኪት ግና ነዚ ፍርሓት እግዚአብሔር ተህድም። ፍልሖ ንዕንጨይቲ ከምዘቖንቁኖ፡ እከይ ግብሪ ንነፍስና የቖንቁና።
ንሥጋን ንነብስን ዘርክሱ ሽዱሽተ ነገራት እዚኦም ኢዮም፦
ናብ ከተማ ምኹላል
ብዘይምጥንቓቐ ምጥማት
ምስ ጓል ኣንስተይቲ ምልላይ
ምስ ሓለፍቲ ምምሕዛው
ብዛዕባ ሥጋዊ ነገር ምዝራብ ምፍታው
ከንቱ(ዋጋ ዘይብሉ) ዘረባ ምዝራብ
✟ ክንወርሶም ዝግባኣና 4 ነገራት
ምምሓር
ዘይምቑጣዕ
ትዕግሥቲ
ዘይምርሳዕ
✟ ኩሉ ግዜ ንኣእምሮ ዘድልይዎ ኣርባዕተ ነገራት
ወትሩ ብስቡር ልቢ ምጽላይ
ንሓሳብካ ምቅዋም
ንነብስኻ ከምኃጢኣተኛ ምቑጻር
ንዝኾነ ዘይምፍራድ
✟ ንሓደ መንእሰይ መነኮስ ሓገዝቲ ዝኾኑ ኣርባዕተ ነገራት
ኣብ ኩሉ ሰዓት ንሕግታት እግዚአብሔር ምድጋም
ብቐጻሊ ምንቃሕ
ኣብ ጸሎት ንጡፍ ምዃን
ንነብስኻ ምንዓቕን ምምናንን
✟ናብ ዝሙት ዘውድቑ ኣርባዕተ ነገራት
ብልዕን መስተን
ብድቃስ ምጽጋብ
ዘይምስራሕን ምጽዋትን
ብልብሲን ካልኦት ምግያጽ
ቀ ንኣእምሮ ዘጸልምቱ ኣርባዕተ ነገራት
ብጻይካ ምሳኻ ምኻን ምጽላእ
ምቅላል
ምቕናእ
ኣብ ልዕሊኡ ምጥርጣር
✟ ንወዲ-ሰብ ዘቖጥዕዎ ኣርባዕተ ነገረት
ምሃብን ምውሳድን
ኩሉ ድሌትካ ምፍጻም
ንካልኦት ክትምህር ምፍታው
ኩሉ ጊዜ ንገዛእ ርእስኻ ከም ለባም ምቑጻር
✟ ብጸበባ ዝጥረዩ ኣርባዕተ ነገራት
ብኽያት
ብኃጢኣት ምስትንታን
ንሞት ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ምግባር
ኣብ ኩሉ ነገር ይቕሬታ ምባል
✟እቲ ኩሉ ጊዜ ንልቡ ዝሓርስ፡ እቲ ሕማቕ ኣውጺኡ፡ ኣብ ልቡ ጽቡቕ ዘእቱ ሰብ
ከም ፍቓድ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከድሕን ኢዩ።
✟ ንርኽሰት ዘምጽኡ ነገራት
ብልዕን ጽጋብን
ብዝሒ መስተን ምስካርን
ብዝሒ ድቃስ
ኩሉ ጊዜ ሰብነትካ ብማይ ምሕጻብን ብጨና ምግያጽን
✟ ንቑጥዓ ዘምጹኡ ነገራት፣
ዝርርብ
ዋጋ-ዕዳጋ
ኣብ ገዛእ ሪኢቶኻ ጥራይ ምውካል
ኩሉ ድሌታትካ ምግባር
ናይ ካልኦት ምኽሪ ዘይምቕባል
ንስሰዐኻ ምፍጻም
✟ ካብ ክፉእ ሓሳብ ዝሕልዉና ነገራት
ምንባብ ቅዱሳት መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱስን
ካብ ትህኪት ምርሓቕ
ብለይቲ ተንሲእካ ምጽላይን ምልማንን
ብቐጻሊ ትሕትና ምግባር
✟ ናብ መንግሥተ ሰማያት ዝወስዱና ነገራት
ብቐጻሊ ምሕዛንን ምንኸናኸን
ምእንቲ ኃጢኣትን ክፉእ ነገርን ምብካይ
ንሞት ከኣ ኩሉ ግዜን ሰዓትን ምጽባይ
፩.፰.፱ ቃላት ቅዱስ ብዛዕባ ኣእምሮ
⇨ ንኣእምሮና ከጸብቑ ዝኽእሉ ሰለስተ ነገራት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
ብእግዚአብሔር ምእማን
ኣብ ጸበባን ሽግርን ትዕግሥቲ ምዝውታር
ንሥጋ ክሳዕ እተጽቅጥ ምድካም
3 ንኣእምሮና ከሕጉሱ ዝኽእሉ ሰለስተ ነገራት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
ንጽቡቕ ካብ ሕማቕ ፈሊኻ ምፍላጥ
ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምግባር ምሕሳብ
ካብ መንቀኝኘትን ምትህልላኽን ምርሓቕ
✟ ንኣእምሮና ከብርሁ ዝኽእሉ ሰለስተ ነገራት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
ሕማቕ ንዝገበረካ ጽቡቕ ምግባር
ሕማቕ ንዝገብሩኻ ጸላእትኻ ምጽማምን ምዕጋስን
ነቲ ኣብ ዓለም ካባኻ ዝበለጸ ሰብ ዘይምጥማትን ብእኡ ዘይምቕናእን
✟ ንኣእምሮና ከንጽሁ ዝኽእሉ ሽዱሽተ ነገራት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
ጽሙዋ
ሕጊ ምጽናዕ
መግብን መስተን ምቕናስ
ብዝኾነ ነገር ኣብ እግዚአብሔር ምውካልን ኣብ ሓለፍቲ ናይዚ ዓለም እዚ
ዘይምጽጋዕን
ንኣእምሮኻ ካብ ከፍእ ሓሳብ ምጥንቃቕ
ብዘረባ ሃብታም ዘይምግዳስን ጓል-ኣንስተይቲ ካብ ምጥማት ምጥንቓቕን ☞ ንኣእምሮና ዘጥቅዑ ሰለስተ ነገራት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
ትኹረት ዘይምሃብን ወይ ዘይምግዳስን
ትህኪት
ዘይምጽላይ
፩.፰.፲ ቃላት ናይቲ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ
✟ ንነፍሲ ዘጽንዑ ኣርባዕተ ነገራት
ንኩሉ ሰብ ምምሓር
ንቑጥዓ ምግዳፍ
ምጽማም
ንኃጢኣት ካብ ልብኻ በርቊቕካ ምውጻእን
✟ ንነፍሲ ዘጸልሙ ነገራት
ኣብ ከተማን ዓድታትን ምዛር
ናይ ዓለም ከብሪ ምፍታው
ኣብ መንጎ ናይ ዓለማዊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ምጽንባር
ዑረት ነፍሲ ዘምጹኡ ነገራት፣
ንሓውኻ ምጽላእ
ንድኻታት ዘይምኽባር
ቅንእን ሕሜታን
✟ ጥፍኣት ነፍሲ ዘስዕቡ ነገራት
ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንጣር ወይ ምዝዋር
ምስ ዓለማውያን ሕዝቢ ተኣኪብካ ምዝራብ
ብዙሕ ምሓዝ፡ ምሕሻሽን ምቹእነት ምብሃግን
ብዙሕ ቅርሕንቲ ኣብ ልቢ ምእካብ
በረኸትን ጸጋን ናይ ኣቦና ሙሴ ጸሊም ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!
ስብሓት ለእዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment



