በስመ አብ ወወልድ ወመንፈ ቅዲስ አሐዱ ኣምለክ አሜን!!!
፫/3 ሓምለ ዕረፍት ቅዱስ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ
ቅዱስ ቄርሎስ ሃገሩ ግብጺ ኣፍሪቃዊ እዩ፡ ቄርሎስ ማለት ኃያል ማለት እዩ። ወተፄወዉ ቄረ ሕዝቦሙ ለሰብአ ሶርያ” 2ነገ. 16:9 እስክንድርያ ተወልደ። ተወሊዱ ወዲ ፭ /5 ዓመት ምስ ኮነ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብሉይን ሓዲስን ከምኡውን ቋንቋ ጽርእን ትምህርቲ ፍልስፍናን ኣጻፊፉ ፈለጠ። ምኽንያቱ ሓንሳብ ዚስምዓ ኣይርስዕን ነበረ። እዝስ ከመይ ኢሉ ይኸውን ምትሃት ከይመስል እንተበሉ፡ ትምህርቲ ኻብ ዚጅምር ድኅሪ ፭ (5) ዓመት ወዲኡ ይብሎ። ኣኩኡ ቕድስ ቴዎፍሎስ ካብ ቅዱስ ማርቆስ መበል ፳፫ (23) ዝኾነ ናብ ናይ ኣባ ስራብዮን ገዳም ሥርዓተ ምንኵስና ኣስተምህረለይ ኢሉ ለኣኾ እሞ ኣባ ሰራብዮን ምሂሩ ሰደደሉ። ባህ ኢልዎ ፈትይዎ ምስኡ ኣብ ትሕቲኡ ኣንባብን ተርጓምን ሸሞ። ንሱ ምስ ሞተ ኸኣ መተካእታኡ ጌሩዎ ሞተ። ንስጥሮስ “በኅድረተ ቃል ከብረ” ኢሉ ምስ ተንሥአ፡ ንጉሥ ዘይንእስ ቴዎዶስዮስ ኣብ ዝነበረሉ ኣኼባ (ጉባኤ) ኣብ ኤፌሶን ይኹን ተባሂሉ ኣዋጅ ተነግረ። እቶም ዝተኣከቡ ሊቃውንቲ ፪፻ (200) እዮም ኔሮም። ቅዱስ ቄርሎስ ኃላፊ ናይ ጉባኤ ኾይኑ ረቲዑ፡ ናብ ላዕለዋይ ግብጺ ስጐጎ። ኣብቲ ዘለዎ እናኸደ’ውን ንብዙኅ ጊዜ ተመለስ እናበለ ይልምኖ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ኣይሰምዖን ምስማዕ ምስ ኣበዮ፡ “በል ንልሳነይ ዝተዛረቦ ምእዛዝ ካብ ኣበኻኒ፡ ልሳንካ ኣይተኣዘዝካ” ኢሉ ረገሞ እሞ ልሳኑ ተዘልዚሉ ሕማቕ ሞት ሞተ። ማለት መልሓሱ ኣብ ኣፍ ልቡ በጺሑ ደምን ምግልን እናተፍአ ከም ከልቢ፡ እናነብሐ ሞተ፡ “ወሞተ እንዘይነብሕ ከመ ከልብ” ከም ዝበሎ። ቅዱስ ቄርሎስ ካብ 412 ክሳዕ 444 ዓ.ም ን32 ዓመታት ንቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ዝመርሐ ዓቢይ ኣቦ እዩ። ቅዱስ ቄርሎስ ተሸይሙ ኸሎ ብዙኃን መጻሕፍትን ድርሳናትን ተግሣፃትን ጽሒፉ። ካብቲ ዝጸሓፎ ሓደ መጽሓፈ ቅዳሴ እዩ። እዚ ቅዳሴ’ዚ ዝቕደሰሎም ዕለታት፡ ኣብ ተዝካረ ሙታን፡ ኣብ ተዝካረ ኣብርሃም፡ ኢዮብ፡ ኤልያስ እዮም። ኣብ ፫ (3) ሐምለ ፬፻፵፬ (444) ዓ.ም ኣብ መበል ፷፱ /69 ዕድሚኡ ብሰላም ዓረፍ። መጽሓፈ ስንክሳር ተመልከት።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።
መወከሲ፦ መቕድም መጽሓፈ ቅዳሴ ቅዱስ ቄርሎስ፡ ፫ ለሓምሌ ስንክሳር።
ሰብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን።
Leave a comment 

