ስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!
ክርስቲያናዊ ሕይወት
ናብ ልቡ ተመልሰ ሉቃ.15፡17
ኣብዚ ኣርእስት እዚ ብዙሓት ኽምለሱ ዘለዎም ሕቶታት ክልዓሉ ይኽእሉ እዮም።ንኣብነት፥ እዚ ሰብ እዚ መንዩ፡ ስለምንታይ እዩ ካብ ልቡ ዝርሓቀ ማለት ክርሕቆ ዝኸኣለ ነገር እንታይ እዩ፧ምስ ርሓቀ ኸ ዝረኸቦ እንታይ እዩ፧ንኸይርሕቅ ከ ዝተገብረሉ ማዕዳ ነይሪ ዶ፧ ስለምንታይ እዩ ክሰምዕ ዘይ ከኣለ፧ ኣብ መወድእታ ድማ ናብ ልቡ ክምለስ ዝገበሮ ነገር እንታይ እዩ፧ ንሕና ኸ ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል ክንምልስ ንኽእል እና። ናብቲ ሓሳብ እንተመጺእና ናብ ልቡ ተመልሰ ይብል፡ስለዚ ዝምለስ ድማ ወይ መገዲ ዝተጋገየ ወይ ድማ በደሉ ኣሚኑ ይቅረታ ዝሓትት እዩ። ስለዚ ናብ ልቡ ምባሉስ እንታይ እዩ ዘመልክት ንምምላስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ልብ እንታይ ይብል ዝብል ምርኣይ ጽቡቕ እዩ። ኣምላኽ ብኣፍና ንዛረቦ ዘይ ኮነስ ልብና ዝሓስቦ ርእዩ እዩ ዓስብና ዝህበና። ንኣቤል ልቡ ርእዩ እዩ መስዋዕቱ ዝተቀበለሉ ።ብዙኅ ጊዜ ውን ጐይታ ንኣይሁድ ኣብ ልቦም ዘሎ ርእዩ ክወቅሶምን ንምንታይ ብልብኺም ክፍእ ትሓስቡ እናበለ ክፍኣት ልቦም ክገልጽ ከሎ ኢና እንርኢ(ማቴ 9፥1-8, ማር.2፡6-8)።ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ይ ቆር.3፡9-16 ክምዚ ኢሉ ኣሎ ከመይ ንሕና መዓይይት ኣምላኽ ኢና ንስኹም ድማ ግራት ኣምላኽ ሕንጻ ኣምላኽ እኹም ኢሉ ኣሎ ።እዚማለት ግራት ሕንጻ ተባሂሉ ዘሎ ልብና እዩ።ምኽንያቱ እኽሊ ኣብ ግራት ከምዝዝራእ እሞ ፍሪኡ ብመጠን ዝተገብረሉ ዝኸውን፡ሕንጻ እውን ድልዳሌኡ ብመጠን ሃናጺኡ እዩ ዝኸውን ፡ስለዚ ናትና ልብ ውን ግራት ኣምላኽ ሕንጻ ኣምላልኽ ስለዝኾነ ፍሬናን ጽንዓትናን ብመጠን ንሕና ዘለና እምነትን ዝገበርናዮ ጽድቅን መንፈሳውነትን እዩ ዝፈርን ዝጸንዕን። ቀጺሉ ውን ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምኻንኩምን መፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ሓድሩ ከምዘሎ ዶ ኣይ ትፈልጡን እኹም ሓደ እካ ነዛ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተኣፍረሳ ኣምላኽ ከፍረሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስት እያ ።እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ውን ንስኹም ኢኹም።ካብዝ እንርድኦ ልብና ኣምላኽ ዝሓድሮ ቤተ መቕደስ ማኻኑ እዩ።ኣምላኽ ድማ ኣብ ንጹሕ ልብ እዩ ዝሓድር።በዚ እዩ ጐይታ ንጹሓት ልብ ንእምላኽ ክርእዩዎ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም ዝበለ። ስለዚ ንጹሕ ልብ ኣምላኽ ዝሓድሮ ቤተ መቕደስ ካብ ኮነ ዘይ ንጹሕ ልብ ድማ ናይ ድያብሎስ ማሕደር ስለዝኸውን ኣብ ሲኦል ገሃነምእሳት ዝፈርሰ እዩ።ስለዚ ልብና ብኃጢኣት ምስ ዝፈርስ ማሕደር ድያብሎስ እዩ ዝኸውን ።በዚ ድማ ካብ ልብና ዘወጽእ ኩሉ ከፍእን ጎዳእን ናብ ሞት ዝወስድ እዩ። (ማቴ15፡19, ማቴ 12፡34-37) ግና ኸ በደልና ኣሚና ልብና ብንስሓ ምስ እነንጽሕ ግና ኣምላኽ ይቅረ ኢሉ ኣንጺሁ ኣብና ይሓድር እሞ ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ንኸውን።ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ.51፡17 ኦ ኣምላኽ ንስኻ ድማ ንቱሕትን ዝተጣዓስ ልብን ኣይትንዕቆን እኻ ከምዘበለ። ነብይ ሚልክያስ.3፡6-7 ከምዝበሎ እነ እግዚእብሔር ኣይልወጥን እየ ኣቱም ዘርእ ያዕቆም ጭራሽ ኣየጥፋኩምን እየ ናባይ ተመለሱ ኣነ ውን ናባኻትኩም፡
ክምለስ እየ ከምዝበሎም እዩ። ስለዚ ናይ ማርያም ኃጥእ ንስሓ ተቀቢሉ ኣኽቢርዋ እዩ፡ናይ ፍያታዊ ዘየማን ንስሓ ተቀቢሉ ናብ ገነት እእትዩዎ እዩ፡ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ምምላስ ተቀቢሉ ሓዋርያ ገይርዎ እዩ፡ ናይ ሙሴ ጸሊም ንስሓ፡ናይ ማርያም ግብጻዊት ንስሓን ናይ ካልኦትን ተቀቢሉ ልዕል እቢሉዎም እዩ እሞ ንሕና ውን ነብይ ኤርምያስ ኣብ ዶግዓ ኤር ምያስ.3፡21 ብልበይ ምሕረት ኣምላኽ ክሓስብ ከለኹ ተስፋ ይገብር ከም ዝበለ፡ነት ወሰን ዘይብሉ ምሕረቱ ሓስብና ብንስሓ እንተ ተሓጺብና ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ኮይና ካብልብና ድማ ሰናይን ንሰማዕቱ ድማ ንበረኸት ዝኾውን ቃል እናወጸ ክነብር እዩ።
ስለዚ እምበኣርከስ ናብት ኣርእስትና እንትው ተመሊስና ማለት ናብ ልቡ ተመልሰ ኢሉዎ ዘሎ መን እዩ።ነዚ ንምርዳእ ናብት መጽሓፍ ንመልከት። ሉቃ.17፡15 ዘሎ ኮይኑ ከምዝ ይብል፡’ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፡እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነብኡ ኣቦ ካብዝ ጥሪት እቲ ዝብጽሓኒ ግደ ሃበኒ በሎ፡ንሱ ኸኣ ነቲ ገንዘቡ መቀሎም። ድሕር ሒደት መዓልት እት ንእሽተይ ወዲዘለዎ ኹሉ ኣኪቡ ናብ ርሑቅ ሃገር ከደ።ኣብኡ ድማ ነቲጥሪቱ ብዝርገት እናበተኖ ዘለዎ ዘበለ ምስወድአ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ ክስእን ጀመረ።ምስ ሓደ ውድሃገር ሓሰማታት ክጋሲ ተዓስበ።ካብ ጥሜ ት ዝተላዕለ ካብት ናይተን ሓሰማታት ክበልዕ ይደሊ ነበረ ግናኸ ኣይረኸበን ።ሽዕዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ እንጌራ ዚተርፎም ኣገልገልት ኣቦይ ክንደይ እዮም ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት ይመውት ኣለኹ።ተንሢአ ናብ ኣቦይ ክኽይድ እየ በለ።ተንሥኡ ናብ ኣቡኡ ኸደ፡ኣብኡ ድማ ርሑቅ ከሎ ርእዩ ደንገጸሉ ጎዪ ኸኣ ብክሳዱ ሓኒቁ ሰዓሞ። ካብዚ እንርድኦ፥
1) ኣቦ ተባሂሉ ዘሎ እግዚኣብሔር እዩ ደቂ ተባሂሎም ዘለዉ ድማ እቲ ዓቢ ናይ ፈሪሳውያን እቲ ንእሽተይ ድማ ናይ ኣዳም፡ናይ ኣህዛብ ናይ ሓጥኣን ምሳሌ እዩ።
2)እቲ ንእሽቶይ፡ነብኡ ኣቦ ካብዚ ጥሪት እቲዝብጽሓኒ ግደ ሃበኒ በሎ። ኣቡኡ ግና ዝወደይ ምሳይ ይሕሸካ ካባይ ተፈሊኻ ኣይጥዕመካን እዩ እናበለ ወላ ብፍቕሪ እንተለመኖ ክሰምዕ ኣይከኣለን። ድሌቱን ሓሳቡን ካብ ኣቡኡ ክፍለ፡ ምስ ኣቡኡ ምንባር ዘጽልኦ፡ ኣብ ቤት ኣብኡ ዝነበረ ሕይወት ናይ ምስትውዓል ዓቅሙ ዝተደፍነ፡ ኣቤት ኣብኡ ምንባር ድኻም፡ውርደት፡መግዛእትኮይኑ እዩ ተራእይዎ።
ነዚ እዩ ጐይታ ኣብ ወንጌል (ማቴ.6፡20-22) ዓይን ናይ ኣካል መብራህት እያ፡ ዓይንኻ ብሩህ እንተኾነ ብዘሎ ኣካልካ ብሩህ ይኸውን።ዓይንኻ ጸልማት እንተኾነ ድማ ብዘሎ ኣካልካ ጸልማት ይኸውን።እምብኣርከስ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ካብ ኮነ ምጽልማቱ ክንደይ ኮን ክብርትዕ እዩ። ብሓቂ ዓይነ ልቦናኡ ብሩህ ዝኾነ ሰብ ሕይወቱ ብሩህ እዩ።ዓይነ ልቦናኡ ዝጸልመተ ሰብ ግና ሕይወቱ፡መገዱ መጻኢኡ ጸልማት ሞት እዩ። እዚ ወዲ ዝርእዮ ዝነበረ ካብ ኣብኡን ቦታ ኣብኡን ወጻኢ እዝዩ ብዙኅ ሓጐስ፡ሰላም ፍቕር ሕይወት፡ናጽነት ከምዘሎ እዩ።እዚ ድማ ዘርእየና ድፍነት ኣእምሮ እዩ።
ከምት ቅዱስ ፖሊካርፕስ ንክርስቶስ ከሓድ ምስ በልዎ 86 ዓመት ምስኡ ክነብር ከለኹ ሓንት እካ ገይርኒ ኣይፈልጥን እዩ፡ስለዚ ኣይክሕዶን እየ ዝበለ፡እዚ ውዲ ድማ ልቡ ተደፊኑ እምበር ምሉእ ሕይወቱ ብሰላም፡ ብጽጋብን ርውየትን፡ኃይልን ብርትዐን እዩ ነይሩ።ግና ኸ ዓለም ናፊቁ። ጐይታ ሰላመይ እህበኪም ኣለኹ እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ከምት ዓለም እትህቦ ኣይኮነን ከምዝበለ ሰላም ኣብኡን ቤት ኣብኡን ኣያስተውዓለን።እዚ እዩ ሎሚ ንብዝኃት ሰባት ተስኢኑና ዘሎ።
እምበኣርከስ ኣቦ ዝተባህለ እግዚኣብሔር እዩ።ቤት ኣቡኡ ዝተባህለት ድማ ቤተ ክርስቲያን እያ።ስለዚ ከም እዚ ወዲ እዚ ነሮም መንፈሳውነት፡ኣገልጉሎት ኣብ ቤት ኣምላኽ ምስ ኣምላኽ ምንባር ሰልችይዎም ኣብ ዓለም ዝተመልሱ፡ኣብ ጋይላ፡ዳንኬራ፡ስኽራን፡ፖለቲካን ፍቕር ገንዘብ ዝመረጹን ዘተለሎምን እዩ ዝመስል።እወ ንይሁዳን ሰዓብቱን፡ ንዴማስን ሰዓብቱን እዩ ዝመስለ። እዚማለት ኣቦነት እግዚኣብሔር ንዒቆም ብትምኒት ደቂ ድያብሎስ ዝኾኑ ኣደነት ቤተ ክርስቲያን ጸሊኦም ዓለም ዝመረጹ እዮም።እዚ ኣቶም ደቂሶም ከለዉ ድያብሎስ ክርዳድ ኣብ ልቦም፡ዝዘርእሎም፡ ዘይተበረበሩ፡ኣብ መገዲ፡ኣብ ከውሒ ኣብ እሾኽ ናይ ዝተዘርኡ ምሳሌ እዮም።ስለዚ ሰብ ርስት ኣብኡ ከምዝወርስ እዚኦም፡ከምዚ ድማ ድያብሎስ ብግብር ዝወለዶም ስለዝኾኑ ናቱ ርስት እዮም ዝወርሱ።
3 ነዚ ወዲ ኣብኡ ገንዘቡ መቀሎ። ድሕር ሒደት መዓልት እት ንእሽተይ ወዲ ዘለዎ ኹሉ ኣኪቡ ናብ ርሑቅ ሃገር ከደ።እዚ ማለት ዝተቅበሎ መንፈሳዊ ጸጋታት ኂዙ ናብ ርሑቅ ሃገር ዝተባህለት ዓለምን ፍትወታታን ከደ።ምኽንያቱ ዓለም ብግብራ ካብ ኣምላኽ ዝርሓቀት እያ።ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ቤተ ክርስቲያን ርሕቅት እያ።
4 ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብዝርገት እናበቶኖ ዝለዎ ዘበለ ምስ ወድአ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ። እዚ ማለት ነቲ ብ40/80 እንቅበሎ ዉልድነትን፡ካልኦት ጸጋታትን ብኃጢኣት፡ብርኽሰት፡ብቅለትንዕብዳንን፡መናፍቅነትን ክኅደትን ናይ ምጥፍኡን ምሳሌ እዩ።ልኽዕ ከምዚ ሎሚ ኣገልገልት መሃርትን ስበኽትን ቀደስት ነይሮም ብኣንጻሮ ዘሎ እዩ። (ገላ.5፡19 -23) ካዚ ወዲ እንመሃሮ ሰይጣን ናቱ ክሳብ ዝገብረካ ብብዙኅ መገዲ ጣዕምን ጽባቀን ዓለም የርእየካ፡ኣብዙርያኻ ቡዙኃት ሉቡሳነ ስጋ ኣጋንንት ይኸበካ በዚ ብምትላል ድማ ክሉንትናኻ ምስ ሃብካዮ ግና ዕራቅካ ገይሩ ብጥሜት ቃል ኣምላኽ፡ብጽምኢ ቃል ኣምላኽ ይቀትለካ ። ብርቱዕ ጥሜትን ጽምእን ሓይል የድክም ተስፋ ይውቁርጽ እዩ እም ኣብዚ ኣእትዩ ናብ ዝተፈላለዩ ዘይትወጸሉ ወልፍታት ኣትሒዛ የክመካ።
5 እዚ ወዲ ክስእን ድማ ጀመረ።ምስ ሓደ ወድ ሃገር ድማ ብሰንክ ጥሜት ሓሰማታት ክጋሲ ተዓስበ።ካብ ጥሜት ዝተላዕለ ካብት ናይተን ሓሰማታት ክበልዕ ይደል ነበረ ግናኸ ኣይረኸበን።እዚ ሰብ እዚ ምስ ገንዘቡ ከለ ኣብዙርዩኡ ቡዙኃት ሰባት ነይሮም ጥርሑ ምስ ኮነ ግና ቁሊሕ ኢሎም ኣይረኣይዎን።ስለዚ ኣጋንንት ክሳብ ዘታልሉኻ ካባኻ ብብዙኅ መገኢ ከምዘይፍለዩኻ ሎሚ ውን ሰባት ክትቀርብ ከለኻ መሪጽካ ምቅራብ የድሊ።ከመይ ዕርክኻ ዝምዕደካ፡ዝሓልየልካ ክኸውን ኣለዎ።እዚ ንእሽተይ ወዲ እዚ ኩሉ ዝረኸቦ መከራ፡ ሽግር፡ጥሜት፡ጽምኢ ዕርቃን ብሰንኪ ዘረባን ፍቅርን ማዕዳን ኣብኡን ጥዕሚ ሕይወት ቤት ኣብኡን ዘይ ምስትብሃሉ እዩ።ካብ ኣቡኡ ወጻኢ ፍጹም ሓላይ ዘይብሉ ምኻኑ ዘይምርድኡ፡ካብ ቤት ኣብኡ ንላዕል ፍጹም ዕረፍት ዝህብ ከም ዘየለ ዘይምስትብሃሉ እዩ። ንዓና ውን ሎሚ ዝሃስየና ነዚ ዘይምፍላጥና እዩ።
ከምት ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎ 1ይጴጥ.1፡17 ኣብዘበን ግሽነትኩም ብፍርሓት ንበሩ ዝበሎ ዘለናዮ ዘመን ሓፂር ናይ ግሽነት ዘመን እዩ። ከምት ጐይታ ነቲ ካብ ኢዮርሳሌም ናይ እያሪኮ ዝኸይድ ዝነበረ ፈዊሱ ናብ ምዕርፎ ኣጋይሽ ዝወሰዶ ብሓደራ ድማንተቀባሊ ኣጋይሽ ዝሃቦ ንዓና ድማ ሎም ኣብ ዘመን ግሽነትና መዕረፊት ግሽነትና ቤተ ክርስቲያን ክትከውን ክላ ተቀብልት ኣጋይሽ ድማ ኣቦታት ካህናት እዮም ንሳቶም ድማ ብስጋኡን ደሙን ፈዊስም ተኸናኺኖም የንብሩና እዮም እሞ ኣብዘመን ግሽነትና ብጽምኢ ጽድቅ ምጥሜት ቃል ኣምላኽ ከይ ንመውት ምስ ኣቦና እግዚኣብሔር ምስ ኣዴና ቤተ ክርስቲያን ክነብር ይግብኣና እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ኣብኡ ዘይ ኮንው ቤተ ክርስቲያን ኣዲኡ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ።ስለዚ እምበእርከስ እዚ ወዲ ድሕርዝ ኹሉ ስቃይ መከራ ጥሜት ዝግ ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ ኣብ ሓደ ውሳነ በጽሐ። ኣምላኽ ናባይ ተመለሱ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ ከም ዝበለ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ናብ ሰብነቱ ተመሊሱ ከምዚ በለ፥ እንጌራ ዝተርፎም ኣገልገልት ኣቦይ ክንደይ እዮም።ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣሎኹ በለ።ስለዚ እምብኣርከስ ናብ እዝነልበኑኡ፡ዓይነልበኑኡን እግረልበኑኡ፡ ኢደልቦናኡ ተመሊሱ ጸጋታቱ ዝመልሰሉ ሰነይ ሓሳብ ሓሰበ።ዉሉድነዩ ናፊቁ፡ኣዲኡ ቤተ ክርስቲያን ናፊቁ ብልቡ ተመልሰ። በዚ ድማ ነት ዝሓሰቦ ክውን ክገብር ናብ ኣቦይ ክኸይስ እየ እሞ ንኣቦይ ኣብ ቅድሜኻን ኣብ ቅድም ሰማይን ኃጢኣት ገበርኩ ደጊም ወድኻ ክበሃል ኣይግበእንን ግናኸ ከም ሓደ ካብ ኣገልገልታካ ቁጸረኒ ክብሎ እየ በለ። እዚ ነገር እዚ ኣዝዩ ዘደንቅ እዩ።ኃጢኣትካ ኣሚንካ ብስቡር ልብ ናብ ኣምላኽ ምምጽእ እት ቀንድ ንእግዚኣብሔር ዝሕጉሶ እዩ ከመይ ንሱ ንዝተጣዕሰ ልብ ዝንዕቅ ኣይኮነን።ስለዚ እዚ ወድ ብፍቃዱ ዉሉድነቱ ገዲፉ ክኸይድ ከሎ ኣገልገልቱ ዝተበህሉ ቅዱሳን ሓዚኖምን ይሓዝኑን እዮም እሞ ከምት ሓደ ሰብ ናብ ኣምላኽ ክምለስ ከሎ ኣብ ሰማይ ኣብ ማሕበር መላእኽት ዓቢ ሓጐስ ይኸውን ዝበሎ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ከምዝኽነን ከምዝኽውንን ኢና እንርኢ። ስለዚ ከም ቃሉ ተንሢኡ ናብ ቤት ኣቡኡ ከደ።ኣብኡ ድማ ገና ርሑቅ ከሎ ርኣዮ እሞ ደንገጸሉ ጎዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሓኒቁ ስዓሞ። እዚ ሰብ እዚ ኪሉንትንኡ ብኃጢኣት ረኺሱ ከሎ፡ብጸጋታት ውን ዓሪቁ ዘሎ እዩ።መጻወቲ ኣጋንንት ኮይኑ ዝነበረ እዩ፡ዉሉድነት ኒዒቁ ዝነበረ እዩ።ቤትካ ኣይተድልየንን እያ እሉ ገዲፍዋ ዝኸደ እዩ።ሕጅ ግና ኣቦነት ኣቡኡ፡ናቱ ዉሊድነት ናፊቁ ናብ ኣቡኡ ምስ ተመልሰ ኣቡኡ በታ ዝኸድካያ ተመለስ፡ኪድ ጥፋእ፡ካባይ ርሓቅ፡ከይበለ ብዓብይ ሓጐስ እካድኣ ባዕሉ ጎዩ እዩ ተቀቢሉ ሓኒቁ ዝስዓሞ። ከመይ ዝበለፍቅር ምኽኑ ንመልከት።ኣምላኽ ምምላስና እምበር ጥፍእትና ከዘይደሊ ትዓዘብ፡ኣበይ ኣለኻ እምበር ኣበይ ነይርካ ኢሉ ዘይጸባጸብ ምኻኑ ተዓዘብ፡ብሞት ኃጥእ ዘይ ሕጐስ እንታይ ኩሉ ሰብ ናብ ንስኃ ናብ ድኅነት ክመጽእ እዩ ዝደሊ። ስለዚ ከምት ኣደ ንዉሉዳ ረሲሑ፡ተበላሽዩ ከሎ ብፍቕር ሓቂፋ ስዒማ ደሪዛ እትምግቦ ኣምላኽ ድማ ኣቦና እዩ። ኣዴና እውን እዩ።ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣዴና እያ። በዚ ድማ ሓትእን ከይበለት፡ ከይተጸየፈት፡ብንስኃ ሓጺባ እትምግበና እያ። በዚ ድም ኣቡኡ ንገላውኡ ብሉጽ ጻዕዳ ክዳን ናይ ንጽሕና ናይ ዓወት ክዳን ክደንዎ፡ናይ ሃይማኖት ካትም ግበርሉ ፡ጽብቕት ላም ሕረዱሉ ሥጋኡን ደምን ኣቀብሉዎ፡ንብላዕ ንትሓጐስ።ከመይ እዚ ወደይ ብኃጢኣት ጠፊኡ ነይሩ፡ብኃጢኣት ሞይቱ ነይሩ ሕጂ ግና ብንስኃ ብሥጋኡን ደሙን ሕያው ኮይኑ እዩ እሞ ንትሓጐስ በሎም።በዚ ድማ እቲ ወዲ ዘጋታቱ ተመሊሱ፡ታሪኽ ተለዊጡ። ስለዚ ንሕና ውን መጽሓፍ ዝተጽሕፈ ንትምህርትናን ተግሣጽናን ከምዝኾነ ካብዚ ተማሂርና ካብ እግዚኣብሔር ኣቦና ከይተፈለና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዴና ብሃይማኖትን ግብርን ጸኒዕና፡ኣብ ነድቀሉ ድማ ብንስሓ እና ተሓጸብና ካብ ምጥፋእ ተሓሊና ከም ጐይታ ኣብ ቤቱ እና ተረኸብና ክንነብር ቅዱስ ፍቃዱ ይኹን ኣሜን።



