7/፯ ጥሪ ጥቅመ ሰናኦር
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን
ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ዓለማት ብሓድነቶምን ሠለስትነቶም ንዝፈጸምዎ ተኣምር ዓመት መጸ ፯ ጥሪ ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ሥርዓት ከተኽብሮ ትነብር ኣላ። መሠረቱ ድማ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተጻሒፉ እንረኽቦ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ እዩ። (ዘፍ ፲፩፥፩-፱)

ብድኅሪ’ዚ ሓንቲ ብወርቂ ቀለም እተጻሕፋ ኅትምቲ ጽሕፍቲ ብኢድ ቅዱስ ዑራኤል ካብ ሰማይ ናብቲ ንሳቶም ዝርከብዎ ምድሪ ዓለበት። ደቂ ሰናኦርን ናምሩድን ድማ ከፊቶም ከንብብዋን ክርድእዋን ኣይከኣሉን። ደቂ ናምሩድ ድማ ኣብ ቤት መዝገቡ ኣቐመጥዋ። ድኅሪ ጊዜ ግና ሰናኦርን ሳሮግን ዘኪሮማ። ሰናኦር ንደቁ ናብ ናምሩድ ሰዲዱ፤ ከምእትመጾ ብምግባር ነታ ጽሕፍቲ ምስ ሳሮግ ኣንበብዋ። “አብ ኣርያም (ሰማይ) ንጉሥ” ከምዘሎ ዝገልጽን አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ – ሥላሴ ንጉሥ ምዃኖም ዝገልጽ እዩ ነይሩ። እዞም ሠለስተ ነገሥታት ዕቡያትን ምኩሓትን ስለዝነበሩ “መን እዩ ናይ ሰማይ ንጉሥ፤ ንጉሥ ኣብ ልዕሌና እንተሎ ምሳና ይቃለስ፤ ሽዑ ካብ ኢድና ዘናግፎ እንተሎ ንርኢ” ተባሃሃሉን ጨደሩን። “ክሳብ እቲ ዘለዎ ኵሉ መንግሥቱ እንኸቦ እኳ ሓደ ዘመልጥ የልቦን፤ ነቲ ንጉሥ’ውን ምሕረት ኣይንገብረሉን ኢና። ናብ ሃገሮም (ሰማይ) ኣቲና ክንወግኦም ኢና” ዝብል ውዱእ ምኽሪ ገበሩ። ስለዚ ናብቲ ንጉሠ አርያም (ሰማይ) ተባሂሉ ዝተነግሮም አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ይርከብዎ ኢሎም ናብ ዝሓሰብዎ ሰማይ ዘብጽሖም መደያይቦ ብሓባር ክሰርሑ ተመሓሓሉ። ገለ ሊቃውንት ከምዝብልዎውን ቀቅድሚኦም ማይ ኣይኅ ንምድሪ ደምሲሳዋ ብምንባሩን፤ ንሳቶም ድማ ፍረ ዘርኢ ናይቶም ደቂ ሴም ብምንባሮም ካብ ከምጽእ ካብ ዝኽእል ቍጥዓ አምላኽ ዝድኅኑሉ፤ ልዕሊ ኣኽራናት (ከም ኣራራት) ዝቍመቱ በሪኽ ሕንጻ ሓኒጾም ክኸላከሉን፤ ነቲ ንዝቀደመ ሕዝቢ ንዝደምሰሰ እግዚአብሔር ክገጥሙን (ሕነ ክፈድዩን) መዲቦም እዮም ነይሮም። በዚ ኸኣ ስሞም ንዘለዓለም ዝጽውዓሉ ሥራሕ ክሰርሑ ውጥኖም ሓንጸጹ።
ነቲ መሠረት ከኣ ከምዘይነቓነቕ ገይሮም ንምሕናጽ ኣብ ወርሒ ታውፊን (ግንቦት) ነቲ መናድቕ ክነድቕዎ ጀመሩ። እቶም ሠለስተ ነገሥታት ከኣ ብገመድ ድኅሪ አእጃሞም ብምምቅቓል፤ ኣሽሓት ነደቕቲ ኣዋፊሮም ነቲ ሥራሕ ተተሓሕዝዎ። ኣብዚ ወፍሪ’ዚ ነቲ ሕንጻ ዘጸብቑ ሥነ ጥበበኛታት፤ “ጡብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ኸኣ ክንዲ ኖራ” ስለዝኾነሎም ጡብ ብሓዊ ዝደፍኑ ክኢላታት፤ ኦም ዝቘርጹን ዕንጨይቲ ዝፈልጹን ካብ ርሑቕን ቀረባን ምሩጻት ኣእማን ዝእክቡን ዘቕብሉን፤ ጸረብቲ እምኒ፤ ዘይነቅዝ እንጨይቲ ካብ ቆላ ዝእክቡ፤ …. ኣሽሓት ሰብን ዝሕግዝዎም እንሰሳታትን ኣዋፊሮም ነበሩ። ንኣኣታቶም ኣብ ምድላው መግብን መስተን ዝሕግዝዎም ካልኦት ኣሽሓት ድማ ኣብቲ ሥራሕ ጽሙዳት ነበሩ። በቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዝነበረ መንደቕ ድማ ይምክሑ ነበሩ። ዲያብሎስ ድማ ብምኽሪ ይድግፎም ነበረ። ንሳቶም’ውን ኣብ ልዕሊ ደመናት ክውጥሑ ምስ ጀመሩ፤ እምበኣር በጺሕና ኢና ኣርኪብና ኢና እናበሉ፤ ነቲ በሊሕ ኲናቶም ናብቲ ጽዑቕ ደመናታት ይስንድዉ ነበሩ። ሰይጣን ድማ ተተቐቢሉ ደም እናጥመዐ ይመልሰሎም ስለዝነበረ፤ ያኢ ንእግዚአብሔር “ዝወግእዎ” እናመሰሎም ኣጆኹም ምብህሃል ጀሚሮም ነበሩ።
ክፍኣት ሓሳቦምን ግብሮምን ዝረኣየ እግዚአብሔር ግና “እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ በለ።” (ዘፍ ፲፩፥፯/11፥7) ከምቲ ዝበሎ ድማ ልሳኖም ስለዝተኸፋፈለ፤ ነንሕድሕዶም ክረዳድኡ ኣየከኣሉን። ነቲ ሥራሕ’ውን ክቕጽሉ ስለዘይከኣሉ ኣብ ኵላ ምድሪ ፋሕ በሉን ተበተኑን። እታ ምድሪ’ውን በቲ ምድብላቕ ቋንቋኣን፤ ፋሕ ፋሕ ምባላን ባቤል (ባቢሎን) ተሰምየት። እግዚአብሔር በቲ ክፉእ ሓሳቦምን ግብሮምን ስለዝተቖጠዐ ከኣ ንቅዱስ ዑራኤል ሰዲዱ ኣሰር መዘከርታኦም ክሳብ ዝጠፍእ ነቲ መናድቖም ኣፍረሶ። ንሕዝቢ ሰናዖር ከኣ ደምሰሶ።
እምበኣር ንዑ ንረድ ቋንቋኦም ንደባልቕ ኢሎም ዝተዛረቡን መንደቕ ሰናኦር ዘፍረሱን ሥላሴ እዮም። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና’ውን ነዚ ክቡር በዓል ብምዝካር፤ ገባሪ ኵሉ ንዝኾነ እግዚአብሔር ከተወድሶን ከተመስግኖን ትነብር።
ደቂ ሰባት’ውን ኣብ ምድሪ መዋዕሎም ሓጺር፤ ኃይሎም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ድኹም ምዃኖም ፈሊጦም ንርእሶም ካብ መጻወዲያ ትዕቢት ከርሕቑ ትመክር። ናብ ሞት ካብ ዝወስድ ከንቱ ፍልስፍና ክጥንቀቑ ትምህር። ትዕቢት ንሰብ የሕስሮን የውድቖን እምበር ኣየኽብሮን እዩ። ስለዚ ክርስቲያናት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ሰባትን ብትሕትና እምበር ብትዕቢት ክንጓዓዝ ከምዘይግባእና ታሪኽ ሰብ ባቢሎን ትምህርቲ ይህበና እዩ። ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ንዘይግዝኡ ንዘይፈርሁን ዕቡያትን ምኩሓትን ድማ ውዒሉ ሓዲሩ እግዚአብሔር ከምዘሕስሮም ሰብአ ባቢሎን ኣብነትና እዮም። ሰብ ስም እግዚአብሔር ከጽውዕ እምበር፤ ስለ ስሙ ጥራይ ዝነብርን ዝጋደለን እንተኾይኑ’ውን ካብዞም ሕዝቢ ዘይፍለ ብምዃኑ እቲ መቕጻዕቲ ዘይተርፎ እዩ። ዝተሓነጸ ይተሓነጽ፤ ዝተሠርሐ ይሠራሕ ስም እግዚአብሔር ዘይጽውዓሉን ዘይኸብረሉን “ሕንጻ ኃጢኣት” ምፍራሱ’ውን ዘይተርፍ እዩ። ይትረፍ ኣንጻሩ ኮይንና፤ ምስኡ ኮይንና ዘይንእክቦ ዘበለ ዝርው እዩ፤ በቲ ዘሎናን ክነብረሉን ዝግባእን ንሥላሴ ፈጣሪና ኣመስጊንና ንንበር። ምስኡን ንኡኡን ንሕንጽ። ልዕሊ ኵሉ ግና ንእኡ ዘቝጥዕ ሕንጻ ትዕቢት፤ ሕንጻ ኑፋቄ፤ ሕንጻ … ከይንሓንጽ ንጠንቀቕ። ናይ ጥንቲ ጥቅመ ሰናዖር ንዛረብ ኣሎና እምበር፤ ሎሚ ክንደይ “ጥቅመ ሰናዖር” ሓኒጻ ትርከብ? እምበኣር ኣብ ሕንጻ ኃጢኣትን ርኽሰትን ዓለም ካብ ምጽንባርን፤ ጡብን እምንን ካብ ምቕባል ርእስና ንሓሉ።
እምበኣር ፈጣሪ ኵሉ ዓለማት ንዝኾኑ ሥላሴ፤ ስሞም እናመስገንና፤ ፍቓዶም እናፈጸምና ምእንቲ ክንነብር፤ ሃይማኖት ኣቦታትና ነጽንዕ። ብሰናይ ግብሪ ኣሳሰሮም ንስዓብ።
ስብሐትን ምስጋናን ንዝግብኦም ሥላሴ ውዳሴን ይባቤን እናቕረብና ክንነብር ምሕረተ ሥላሴ ኣይፈለኣይፈለየና።