በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
8ሕዳር ዓመታዊ ክብረ በዓል አርባዕቱ እንስሳ ( ፬ቱ እንስሳ )
አርባዕቱ እንስሳ ወይ ኪሩቤል ፀወርተ መንበር ኪሩብ ስም ሓደ መልኣኽ ኪኸውን ከሎ ፡ ኪሩቤል ከኣ ስም ብዙኃት መላእኽቲ እዮም።እዚኣቶም ገጽ ሰብ ፡ገጽ እንስሳ ፡ገጽ ንስር፡ ገጽ ኣንባሳ ተባሂሎም ዚስመዩ ቅዱሳን መላእኽቲ እዮም። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ገጽ ሰብን ገጽ እንስሳን ካብ ነገደ ሱራፌል፡ ገጽ ንስርን ገጽ ኣንበሳን ካብ ነገደ ኪሩቤል ወሲዱ ፀወርቲ መንበሩ ገበሮም።
ኣብ መዝሙር ዳዊት “ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ኣብ ቅድሚ ነገዳት ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን በሪህካ ተገለጽ መዝ. 79፡1 (80፡1) ኣብ ዝፋኑ ኣብ ኪሩቤል ይቕመጥ፡ መዝ. 98፡1 (99፡1) ኣብኡ ኣብ ባቢሎን ኣብ ወሰን ሩባ ኮባር ከሎኹ እግዚኣብሔር ኪዛረበኒ ኸሎ ሰማዕኩ፡ ኃይሊ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ልዕለይ ነበረ።
እንሆ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ ኪመጽእ ኸሎ ረኣኹ፡ እወ ኣብ ዙርያኡ ፀዳል ብርሃን ዘለዎ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ማሕማሕታ መብረቕ ኪመጽእ ኸሎ ረኣኹ ፊሕ ፊሕ ከምዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ ካብ ማእከል እቲ መብረቕ ወፅአ። ኣብ ማእከሉ ከኣ ሰብ ዜምሰልስሉ ኣርባዕተ እንስሳ ዚመስሉ ረኣኹ። ግናኸ ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽን ኣርባዕተ ክንፍን ነበሮም። ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ነበረ፡ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም ሸኾና ምራኽ ነበረ፡ ከም ርሱን ኣስራዚ ክኣ ፊሕ ፊሕ ይብል ነበረ። ብዘይካ እቲ ኣርባዕተ ገጽን፡ ኣርባዕተ ኸንፍን ንነፍሲ ወከፎም ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክንፊ ኣርባዕተ ኣእዳው ሰብ ነበሮም። ኣኽናፎም ንሓድሕደን ግጡማት ነበራ። ኪኸዱ ኸለዉ ከይተመልሱ ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚት ይኸዱ ነበሩ።
ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኣርባዕተ በበይኑ ዝኾነ ገጽ ነበሮ። ብቕድሚኡ ገጽ ሰብ፡ ብየማኑ ገጽ ኣንበሳ፡ ብጸጋማዩ ገጽ ብዕራይ፡ ብድኅሪኡ ገጽ ንስሪ ነበሮ። ናይ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኽልተ ኣኽናፍ ምስ ኣኸናፍ እቲ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ጫፍ ንጫፍ ምእንቲ ኪራኸባ ተዘርጊሔን ነበራ። እንተን ክልተ ድማ ንሰብነቶም ምእንቲ ኪኸድና ተዓዅሊለን ነበራ። ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኣርባዕተ ገጽ ስለዚነበሮ፡ ንቕድሚት ይጥምት ነበረ። ከይተመልሱ ከኣ እቲ መንፈስ ናብ ዚመርሖም፡ ትኽ ኢሎም ይኸዱ ነበሩ።
ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕብር ሓውን ከም ዚነድድ ሽግን ነበረ፡ እቲ ሓዊ ከኣ ኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይንቀሳቐስን፡ የንጸባርቕን ነበረ ካብ’ቲ ሓዊ’ውን መብረቕ ይወፅእ ነበረ። እቲ ዘንጸባርቕን ነበረ እንስሳ ከኣ ከም በርቂ ንየው ነጀው እናበሉ ይውንጨፉ ነበሩ።
እቶም ኣርባዕተ ገጽ ዘለዎም ኣርባዕተ እንስሳ ኸጥምት ከሎኹ ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ምድሪ ረኣኹ። እቲ መንኰርኰር ኣርባዕቲኡ ይመሳሰል ነበረ፡ ከም ዜንጸባርቕ ክቡር እምኒ ይመስል ነበረ። ትርኢቱን ኣሠራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዚኣተወ ይመስል ነበረ። ስለዚ ድማ ኪኸዱ ኸለ’ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ናብ ዝደለይዎ ኪኸዱ ይኽእሉ ነበሩ፡ ንኺኸዱ ገጾም ምምላስ ኣየድልዮምን ነበረ። ከቢ ናይቲ መንኰርኰር ነዊኅን መፍርህን ነበረ። ኣዕይንቲ ድማ መሊእዎ ነበረ፡ እቶም እንስሳ ኪኸዱ ኸለ፡ እቲ መንኰርኰር በብጥቓኦም ይኸይድ ነበረ፡ እቶም እንስሳ ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለ’፡ እቲ መንኰርኰር ከኣ ሓፍ ይብል ነበረ፡ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ዘለ እቶም እንስሳ ይኸዱ ነበሩ፡ መንፈስ እቶም ኣንስሳ ኣብቲ መንኰርኰር ስለዝነበረ ከኣ መንኰርኰር እቶም እንስሳ ናብ ዝኸድዎ ይኸይድ ነበራ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰርኰር ስለዝነበረ፡ ንሳቶም ኪኸዱ ኸለ’ ይኸይድ፡ ንሳቶም ደው ኪብሉ ከለ’ ደው ይብል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለ’፡ እቲ መንኰርኰር ከኣ ምስኦም ሓፍ ይብል ነበረ።
ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም እንስሳ ከኣ ከም መስትያት ዜንጸባርቕ ጠፈር ሰማይ ዚመስል ተዘርጊሑ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኸልተ ኣኽናፉ ናብቲ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ኣቢሉ ዘርጊሑ ደው ኢሉ ነበረ፡ ነፍስ ወከፎም ድማ ሰብነቶም ዚኸድኑ ኸክልተ ክንፊ ነበሮም። ኪኸዱ ኸለ’ ከኣ፡ ደሃይ ኣኽናፎም ሰማዕኩ፡ እቲ ደሃይ እቲ፡ ከም ህማም ብዙኅ ማያት ከም ደሃይ ብዙኅ ሰራዊት ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ነበረ። ደው ኪብሉ ኸለዚ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምፂ ይስማዕ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ዚመስል ምስሊ ዝፋን ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ነበረ፡ ካብ ሕቚኡ ንላዕሊ፡ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፡ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ረኣኹ፡ ካብ ሕቝኡ ንታሕቲ ከኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ረኣኹ፡ ኣብ ዙርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደመና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፡ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፡ እዚ ትርኢት እዚ ኽብሪ እግዚኣብሔር ነበረ (ሕዝ.1፡1-28)
ሽዑ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ዘለዉዎ ዘሎ ጕልላት ጠመትኩ፡ እንሆ ከኣ ብሰፊሮስ ዝተገብረ ትርኢት ዝፋን ዚመስል ኣብ ልዕሊኦም ረኣኹ። እግዚኣብሔር ከኣ ነቲ ብሃሪ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸደነ ሰብኣይ ኣብ መንጎ እቲ መንኰርኰር ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኪሩቤል ዘሎ ገሃጽሃጽ ዚብል ጓህሪ ብኣእዳውካ ሓፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ንዝሓዮ” ኢሉ ተዛረቦ።
ንሱውን እናረኣኽዎ ኸደ፡ እዚ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ እቶም ኪሩቤል ብወገን ደቡብ እታ ቤት መቕደስ ደው ኢሎም ነበሩ። ደመና ከኣ ነቲ ውሽጣዊ ዓፀድ መልኦ፡ እቲ ህላዌ እግዚኣብሔር ዜመልክት ድሙቕ ብርሃን ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዒሉ ኣብ ልዳት እታ ቤት መቕደስ ከደ፡ ሽዑ እታ ቤት መቕደስ ብደመና መልአት፡ እቲ ዓፀድውን በቲ ድሙቕ ብርሃን እግዚኣብሔር መሊኡ ነበረ፡ ድምፂ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ክሳብ እቲ ግዳማዊ ዓፀድ ይስማዕ ነበረ። ከም ድምፂ እቲ ኩሉ ዚኽእል፡ እግዚኣብሔር ዝበለ ድምፂ ከኣ ነበረ።
እግዚኣብሔር ነቲ ብሃሪ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ ካብ መንጎ እቲ መንኰርኰር፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ እቶም ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ውሰድ ኢሉ ምስ ኣዘዞ ንሱ ኸይዱ ኣብ ጥቓ እቲ መንኰርኰር ደው በለ፡ ሓደ ኪሩብ ድማ ካብቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓዊ ብኢዱ ኃፊኑ፡ ኣብ ኣእዳው እቲ ካብ ሃሪ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ ኣንበሮ፡ ንሱ’ውን ተቐቢልዎ ወፅአ።
ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ክልቲኤን ኣኸናፉ ኢድ ሰብ ዚመስል ከምዘለዎ ረኣኹ፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ኣርባዕተ መንኰርኰር ረኣኹ፡ ትርኢት እቲ መንኰርኰር ድማ ከም ዜንጸባርቕ ክቡር እምኒ ነበረ።
እተን መንኰርኰር ኣርባዕቲአን ይመሳሰላ ነበራ፡ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዝኣተወ ከኣ ይመስል ነበረ። ክኸዱ ከለው ድማ ገጾም ከይመለሱ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ኣቢሎም ኪኸዱ ይኽእሉ ነበሩ፡ እቶም ኪሩቤል ኪኸዱ ኸለ‛ እቶም መንኰራኵር ኣይዞሩን ነበሩ። እቶም ኪሩቤል ገጾም ከይመለሱ ናብቲ ኪኸድዎ ዝደለዩ ወገን ይኸዱ ነበሩ። ኩሉ ሰብነቶም ዝባኖም፡ ኣእዳዎም፡ ኣኽናፎም ከይተረፈ፡ ምስ መንኰራዅሮም ኣዕይንቲ መሊእዎም ነበረ። ሓደ ድምፂ ከኣ እናኣንኰርኰረ ዚኸይድ መንኰርኰር” ኢሉ ኪጽውዑ ከሎ ሰማዕኩ።
ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፡ እወ ብሓደ ወገን ገጽ ብዕራይ፡ ብሓደ ወገኑ ገጽ ሰብ፡ ብሓደ ወገኑ ገጽ እንስሳ፡ ብሓደ ወገን ከኣ ገጽ ንስሪ ነበሮ፡ ልክዕ ነቶም ኣብ ሩባ ኮባር ዝረኣኹዎም እንስሳ እዮም ዚመስሉ፡ እቶም ኪሩቤል ተላዒሎም ኪኸዱ ኸለው እቲ መንኰርኰር – ምስኦም ብሓደ ይኸይድ ነበረ፡ ኪነፍሩ ኣኽናፎም እንተዘርግሑ’ውን እቲ መንኰርኰር ካብኦም ኣይፍለን ነበረ። መንፈስ ሕይወት እቶም ኪሩቤል ኣብቲ መንኰርኰር ስለዘሎ፡ እቶም ኪሩቤል ኪለዓሉ ኸለ’ እቲ መንኰርኰር ከኣ ይለዓል ነበረ፡ እቶም ኪሩቤል ኪነፍሩ ኸለ ከኣ እቲ መንኰርኰር ምስኦም ይነፍር ነበረ። ሽዑ እቲ ህላዌ እግዚኣብሔር ዜመልክት ድሙቕ ብርሃን ካብ ልዳት እታ ቤት መቕደስ ተላዒሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ቆመ፡ እቶም ኪሩቤል ድማ እናረኣኹዎም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ካብ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቲ መንኰርኰር ድማ ምስኦም ተላዕለ። ኣብቲ ምብራቓዊ ኣፍደገ ቤት እግዚኣብሔር ድማ ቖመ።
እቲ ህላዊ ኣምላኽ እስራኤል ዜመልክት ድሙቕ ብርሃን ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ኣነ ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ዝፋን ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ሩባ ኮባር ዝረኣኽዎም ኪሩቤል ምዃኖም ኣለለኸምም፡ ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽን ኣርባዕተ ክንፍን ነበሮም፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም፡ ትርኢቶም ከኣ ከምቶም ጥቓ ሩባ ኮባር ዝረኣኹዎም ይመስል ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ንቕድሚኡ ትኽ ኢሉ ይኸይድ ነበረ። ሕዚ 10፡1-22, ሕዝ.11፡22-23።
ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ብዛዕባ ገጽ ኣርባዕቱ እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ ገጽ 4 ክንፊ ከምዘለዎ ዘይምግላጹ ኣብ መጽሓፈ ሕዝቅኤል ተጻሒፉ ስለ ዝተነግረ ኢሉ ኣይጸሓፎን፡ ይብል ትርጓሜ ሕዝቅኤል።
ኣብ መጽሓፈ ትርጓሜ ሕዝቅኤል ግና ንሓደ ኪሩብ ኣርባዕተ ገጽ ከም ዘለዎ እዩ ዚነግር፡ ንነፍሲ ወከፍ ገጽ ድማ ኣርባዕተ ክንፊ ኣለዎ፡ 4×4=16 ስለዚ ንሓደ ኪሩብ ኣርባዕተ ገጽን ዓሠርተ ሽዱሽተ ክንፍን ኣለዎ፡ እዚ ናይ ኣርባዕቲኦም ኪድመር ከሎ 4 X 16 = 64 ስሳን ኣርባዕተን ኣኽናፍ ይኸውን ትርጓሜ መጽሐፍ ሕዝ. 107-3። ብዙኃን እንስሳታት ከለው ስለምንታይ እዚኣቶም ተመሪጾም፧ ንዚብል ግብሮም ብመልክዖም ምእንቲ ኪግለጽ እዩ፡ ማለት ገጽ ሰብ ኣእምሮኦም፡ ገጽ ኣንበሳ ግርማኦም፡ ገጽ ብዕራይ መግዛእቶም፡ ገጽ ንስሪ ተመስጥኦም የመልክት።
ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝኑ ብቕድሚቶምን ብድኅሪቶምን ኣዕይንቲ ዚመልኦም ኣርባዕተ እንስሳ ኣለዉ፡ እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኣንበሳ ይመስል፡ እዚ ምእንቲ እንስሳ ገዳም ዚጽሊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ከኣ ብዕራይ ይመስል እዚ ምእንቲ እንስሳ ዜቤት ዚጽሊ እዩ፡ እቲ ሣልሳይ እንስሳ ከኣ ገጽ ሰብ ይመስል፡ እዚ ምእንቲ ደቂ ሰብ ዚጽሊ እዩ። እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ ዚነፍር ንስሪ ይመስል፡ እዚ ምእንቲ ኣዕዋፍ ሰማይ ዚጽሊ እዩ።
እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ክንፊ ኣለዎም ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዕይንቲ ዝመልኦም እዮም። ኣገልግሎቶም ኪገልጽ ከሎ ድማ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን” ይብሉ።
እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኣብ ውሽጢ ኾይኖም ቃል ምስጋና ኪህቡ ኸለ’ ማለት ነቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ከለ’ እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም ነቲ ንዘለዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር ሰገዱሉ፡ እዚ ድማ ተሠጥዎ ቕዳሴ ከም ምቕባል እዩ፡ ኣኽሊሎም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣንቢሮም ከኣ ከምዚ ይብሉ።
ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ንስኻ ክብርን ምስጋናን ሥልጣን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ ማለት ይግብኣካ እዩ፡ ከመይ ንብዘሎ ፈጠርካ ፍቓድካ ስለዝኾነ ድማ ህላዌ ረኸቡን ተፈጢሩን ኣሎ። ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኦም ከም ዝሰግዱን ናይ ሰብ ጸሎት ከም ዘዕርጉን ኪገልጽ ከሎ “እቲ ገንሸል መጺኡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢዱ እቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ወሰዶ፡ ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ከኣ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ብግምባሮም ተደፍኡ፡ ገንሸል ተባሂሉ ዘሎ ኣብ መስቀል መሥዋዕቲ ኾይኑ ዘድኃነና ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
እቲ ዝወሰዶ መጽሓፍ ድማ ምስጢር ድኅነት ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ መሰንቆን ዕጣንን ዝመልኦ ጽዋዕ ወርቅን ኂዞም ነበሩ፡ እዚ ድማ ጸሎት ቅዱሳን እዩ።
ከምዚ ዚስዕብ እናበሉ ድማ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ ማኅተም’ውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ ከመይ ተሓሪድካ ብደምካ ድማ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ሕዝብን ኣሕዛብን ንኣምላኽ ዚኾኑ ሰባት ዓዲግካ ኢኻ። ንኣምላኽ ዘገልግሉ ኣመስገንቲ ካህናትን ገበርካዮም፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ምድሪ ኪነግሡ እዮም፡ ሽዑ ድማ ረኣኹ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ከኣ ድምፂ ብዙኃን መላእኽቲ ሰማዕኩ። ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ።
ዓው ብዝበለ ድምፂ ከኣ “እቲ ዝተሓርደ ገንሸል ሥልጣን፡ ሃብቲ፡ ጥበብ፡ ኃይሊ፡ ክብሪ፡ ግርማ፡ ውዳሴ ኪቕበል ብቑዕ እዩ” በሉ። “እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ኩሎም ፍጡራን ድማ ውዳሴን ክብርን ግርማን ሥልጣንን ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን” ኪብሉ ኸለ’ ሰማዕኩ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ከኣ “ኣሜን” በሉ፡ እቶም ኣሕሉቕውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
ካብዚ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ራእዩ ዚጸሓፎ እንርድኦ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ካህናትን ጀመርቲ ምስጋና ኾይኖም ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኦም ኪሰግዱን ምስጋና ኪህቡን ከለው እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ቆይሞም ዚነበሩ ኣእላፋት መላእኽቲ ድማ ተሠጥዎ ቅዳሴ ከም ምቕባል ዓው ብዝበለ ድምፂ ዘመስግኑ ምዃኖም እዩ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ምስጋና ኪጅምሩ ኸለ’ካልኦት ኣእላፍ መላእኽቲ ነቲ ምስጋና ተቐቢሎም የመስግኑ፡ እቶም ካልኦት መላእኽቲ ከመስግኑ ኸለው ድማ እቶም ኣርባዕተ ኣንስሳ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም “ኣሜን” ብምባል ይቕበልዎም፡ እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ዝረኣዮ እዩ።
ረድኤት ትጉኃን መላእኽቲ ኣርባዕቱ እንስሳ ንዘለዓለመ ዓለም ንኤርትራ ሃገርና የሓልወልና፡ኣሜን።
ኣብ ሃገርና ብስም ኣርባዕቱ እንስሳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት እዘን ዚስዕባ እየን።
- ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ኣማድር ዞባ ደቡብ ን/ዞ/ድባርዋ
- ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ኣሥመራ ሓዝሓዝ ምስ ኣቡነ ኪሮስ
- ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ደቆጽንዓ ዞ/ደቡብ ን/ዞ/ድባርዋ
- ቤተ ክርስቲያን አርባዕቱ እንስሳ ቀላይ በዓልቴት መንብሮ ኵዶ ጸላም ዞ/ደቡብ ን/ዞ/ማይ ዓይኒ
- ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ዓዲ ጽንዓይ ዞደቡብ ን/ዞባ ድባርዋ
- ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ደብረ ምሕረት በራቒት ዞ/ደቡብ ን/ዞባ ዓዲ ዃላ
- ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ቚስሞ ደንጐሎ ዞ/ደቡብ ን/ዞባ ዓዲ ዃላ )
- ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ማይ ወሰን ዞ/ጋሽ ባርካ
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክብር
ኣሜን!!!
Leave a comment