ሰሙነ ሕማማት (ሰኑይ) 

ሰሙነ ሕማማት (ሰኑይ) 

ሰሙነ ሕማማት (ሰኑይ) 

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ አሜን።

    ሰሙነ ሕማማት ኣብ መወዳእታ ናይ ዓቢይ ጾም ማለት ሓደ ሰሙን ቅድሚ ትንሳኤ ዘሎ ሰሙን እዩ።

እዚ ስሙን እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ኣዳም ካብ ባርነት ዲያብሎስ ሓራ ንምውጻእ ሕማምን ሞትን ዘይግብኦ ክነሱ ብፈቓዱ ንዝተቐበሎ መከራ ስቓይን ሞትን ዘዘካኽር ሰሙን እዩ ።

ሰሙነ ሕማማት ምእመናን ንኵሉ ዋኒኖም ሓዲጎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ንውዕለት ጐይታ እናዘከሩ ስለ ሕድገት ሓጢኣቶም ዝበኽይሉን ዝሓዝኑሉን ዝሰግዱሉን ሰሙን እዩ።። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምን ዝርኡን ንምድሓን ንዕኡ ዘይግባእ ስቓይን መከራን ተቐበለ። ነቢይ ኢሳይያስ “ነስአ ደዌነ ወጾረ ሕማመነ”- ብሓቂ ንሱ ንሕማማና ጾሮ ንስቓይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ንሕና ግና ብእግዚአብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ገይርና ቆጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፡ ብሰሪ አበሳና ድማ ተኸትከተ።ንሕና ብሰላም ምእንቲ ክንነብር መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ። ንሕና’ውን ብስንብራቱ ሓዌና”(ኢሳ53፡4-7) ከም ዝበሎ ጎይታ ምእንታና ክብል ዝወረዶ መከራን ስቓይን፡ መግረፍትን ሞትን እንዝክረሉ ሰሙን እዩ ።

ኣብ ሰሙነ ሓማማት፥

1, ብዘይካ ጸሎተ ሓሙስ ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ።

2, ስብሐተ ነግህ ኣይበጽሕን እዩ።

3, ፍትሓትን ስርየትን ኣይግበርን እዩ፡

4, ኣብ ሰሙነ ሕማማት መስቀል ኣይንሳለምን ኢና። ትእምርተ መስቀል’ውን ኣይንገብርን ኢና።

5, ኣብዚ ሰሙን እዚ ቅዳሴ ስለ ዘይፍጸም ጥምቀተ ክርስትና’ውን ኣይፍጸምን እዩ።

ካልእ ኣብዚ ዘይጠቐስናዮ ብዙሕ ኣብዚ ሰሙን እዚ ክፍጸሙ ዘይግብኦም ነገራት ውን ኣለዉ።

ብመሰረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ሰሙን ማለት ካብ ሰኑይ ድሕሪ ሆሳዕና ክሳብ ቀዳም ቅድሚ ትንሳኤ ዘለዋ መዓልታት ኩለን ነናተን መዘከርታን ፍጻመታትን ኣለወን። ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር በብሐደ ክንገልጸን ክንፍትን ኢና፥

ሰኑይ

እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ሰሙነ ሓማምት ሰኑይ፡ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኦም በለስ ዝረገመላን(ማቴ21፡18, ማር11፡12-14) “ቤተይ ቤት ጸሎት ክብሃል እዩ።ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ..”ኢሉ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ሰጒጉ ንቤት መቕደስ ዘንጽሃላን መዓልቲ እያ(ማቴ21፡12-17, ማር11፡15-19, ሉቃ19፡45-48, ዮሓ2፡13-22)።

ኣብ ሰሙነ ሓማማት ዘላ ሰኑይ

1) ጎይታ ንኦም በለስ ዝረገመላ መዓልቲ እያ

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለት ሰንበት ኣድጊ ተወጢሑ ድሕሪ ናብ ቤተ መቕደስ (ኢየሩሳሌም) ምእታዉ፡ በቲ ዕለት እቲ ናብ ቢታንያ ተመሊሱ ሓደረ (ማቴ21፡17,ማር11፡11)።

ንጽባሒቱ ንግሆ ማለት ሰኑይ ከም ብሓድሽ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ ክምለስ ከሎ ጠመየ እሞ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ረኣየ እንተኾነ ፍረ ደልዩ ከዳ ንሳ ግን ቆጽሊ ምእበር ፍረስ ኣይነበራን፡”ንሓዋሩ ካባኺ ፍረ ኣይረኸብ” ኢሉ ረገማ እታ በለስ ከኣ ነቐጸት(ማቴ21፡18-21)።

ወንጌላዊ ማቴዎስ እታ ኦም በለስ ብዛዕባ ምንቃጽ ናይታ በለስ ክዛረብ ከሎ ዕለት ሰኑይ ከም ዝነኾነ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ ግና ሰሉስ ከም ዝኾነ ይገልጽ፡ እዚ ከመይ እዩ እንተበልና ማቴዎስ ሰኑይ ተረጊማ ምንቃጽ ስለ ዝጀመረት ሰኑይ በለ(ማቴ21፡19)፡ ማርቆስ ከኣ ሰሉስ ንግሆ ክምለሱ ከለዉ ካብ ሱራ ነቒጻ ተመንቂሳ ስለ ዝረኣይዋ ሰሉስ ከምዝነቐጸት ገይሩ ጽሓፈ። ምኽንያቱ ዑደት ሆሳዕና ሰንበት(እሑድ) ስለ ዝነበረ እዩ(ዮሓ12፡1-3)።

ማርቆስ ወንጌላዊ “እስመ ኢኮነ ግዜሁ ለበለስ” ግዜ ፍረ በለስ ኣይነበረን ይብል(ማር11፡13) ዮሓንስ ኣፈወርቅ ድማ “እስመ መዋዕለ ክረምት ውእቱ” ጊዜኡ ወርሓት ክረምቲ ነበረ ይብል(መጽሓፍ ግብረ ሕማማት)። ጎይታ ፍረ ከም ዘይነበራ ይፈልጥ’ዶ ኣይኮነን እንተበልና፡ ይፈልጥ እባ እንተኾነ፡

1)ነቲ ሕቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባህርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ ኢሉ እዩ እምበር ሕቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን (ከም ዝብል ቅዱስ ቄርሎስ ሃይማኖት ኣበው75፡3, 79፡32)። ከመይ ስጋ ቅድሚ ምስ መለኮታዊ ቃል ምውህሃዱን፡ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ቅድሚ ምዃኑን ዘይፈልጥ ከም ዝነበረ ንምብራህ እዩ። እንተኾነ ግን ድሕሪ ዕለተ ተዋህዶ ስጋ ብተዋህዶ ናይ ባህሪይ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ድሕሪ ተዋህዶ ኣይፈልጥን እዩ ኣይበሃልን።

2) ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ክምህር ከሎ ፍቕሪ ሰብ ጠመየ፡ ኣብዚ ዓለም ቤተ እስራኤል ረኸበ። ኦም በለስ ናይ ቤት እስራኤል ምሳሌ እዩ(ኢሳ5፡1-7,ሉቃ13፡6-9)። ሃይማኖትን ተግባር ጽድቅን ደልዩ ናብኣ ኸደ። እንተኾነ እስራኤል ምባል ጥራሕ እምበር ፍረ ጽድቂ ኣይረኸበላን፡ ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ጻድቕ ኣይረኸብ ኢሉ ረገማ፡ ጻድቕ ሰብ ተሳእና።

በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ከምኡ’ውን 144,000 ህጻናት ዝተረኽቡ ካብ ቤት እስራኤልዶ ኣይኮኑን እንተተባህለ፡ ብዘይካ እዚኣቶም ማለቱ እዩ(ራእ14፡1)።

3) ጎይታ ሰብ ኮይኑ ኣብዚ ዓለም ክምህር ከሎ ፍቕሪ ሰብ ጠመየ፡ ሓጢኣት ከኣ ኣብዚ ዓለም ሰልጢና ረኣያ።

ፍረ በለስ ክትበልዖ ንግዚኡ ጥዑም እዩ፡ ድሓር ግና ይጉምድድ እዩ። ሓጢኣት ድማ ንግዚኡ ክትፍጽሞ ደስ የብል እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ግና ዘጣዕስ እዩ። ናብታ በለስ ፍረ ደልዩ ምስ ከደ ኣይረኸበላን። ጎይታ’ውን ሓጥእ ድኣ ተባህለ እምበር ሓጢኣትስ ኣይገበረን(ዮሓ8፡46, 1ጴጥ2፡22,ዮሓ9፡24፣ ኢሳ53፡9)። ደጊም ንዘለኣለም ብሓጢኣት ዝኹነን ኣይረኸብ ኢሉ ረገማ። ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ብመንጽር ኦም በለስ ንሓጢኣት ረገማ” ኢሉ ተርጊምዎ ኣሎ።

2)ጎይታ ንቤት መቕደስ ዘንጽሃላ መዓልቲ እያ

ብድሕሪ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ቤት መቕደስ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ክንዲ መስዋእትን ጸሎትን ዝዓርገሉ፡ ቤት ሸቐጥትን መሽረፍትን ኮይኑ ስለ ዝጸንሖ ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣትዩ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ኩሎም ሰጎጎም ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ። “ ቤተይ ቤት ጸሎይ ክበሃል እዩ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩሞ” (ማቴ21፡12-17, ማር11፡15-19, ሉቃ19፡45-48, ዮሓ2፡13-22) ኢሉ፡ ንኹሉ እቲ መሻየጢ ሰደቓታቶም ገላቢጡ፡ ንዕዳጋኦም በቲኑ ብጭጉራፍ ገይሩ ሰጎጎም። ስለዚ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤት መቕደስ ዘንጽሃላ ዕለት ስለዝኾነት፡ ንሕና ድማ ኩላትና ቢተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ንጽሕትን ህፍቲ ዘይብላን ምዃና ፈሊጥና ንቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሔር ከነኽብራን ክንከናኸናን ከምዘለና ከምኡ ውን ናብ ቤተ መቕደስ ክንከይድ እከለና ካብ ኩሉ ነገር ነጺህና፡ ካብ ቂምን በቀልን ርሒቕና ክንከይድ ከም ዝግበኣና እተዘኻክር መዓልቲ እያ።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

Leave a comment

Send a Comment