፰/8 መጋቢት ዕረፍቱ ለማትያስ ሓዋርያ

፰/8 መጋቢት ዕረፍቱ ለማትያስ ሓዋርያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

፰/8 መጋቢት ዕረፍቱ ለማትያስ ሓዋርያ

ማትያስ ማለት መተካእታ ማለት እዩ። ድሕሪ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ፻፳/120 ቤተ ሰብ ኣምላኽ ኣብ ጸርሃ ጽዮን ኣብ ቤተ ማርያም(ናይ ኣደ ማርቆስ ገዛ) ብጸሎት ይተግሁ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “ገዝኡ ትዕኖ ኣብኣ ዝነብር ከኣ ኣይረኸብ ከምኡ ከኣ ሽመቱ ካልእ ይውሰዳ”(መዝ፻፱፡፰/109፡8) ዝበሎ ናይ ዳዊት ቃል ኣልዒሉ፡ ካብዞም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጥምቀት ዮሓንስ ጀሚሩ ክሳዕ እታ ካባና ናብ ሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ምሳና ዝነበረለን ኩለን መዓልታት ዝሰዓቡና ሰባት፡ ካብዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሣኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ ኢዩ” ክብል ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ተዛረቦም። ቃል ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ሰሚዖም ድማ ኢዩስጦስን(በርሰባስ ዝብልዎ ዮሴፍን) ማትያስን ሓረዩ። ሽዑ “ኦ ልቢ ኩሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳናብ ናይ ገዛእ ስፍርኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሓዋርያነትን ክቕበልሲ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ንመኖም ከም ዝሓሬኻ ኣርኢ” እንዳ በሉ ጸለዩ። ዕጫ ድማ ኣውደቕሎም፡ እታ ዕጫ ከኣ ናብ ማትያስ በጽሐት፡ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ሓዋርያት’ውን ተቖጽረ(ግ.ሓዋ ፩፡፳-፳፮/1፡20-26)።

ቅዱሳን ሓዋርያት ንዓለም ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከብጽሑላ ብዕጫ ናብ ኩሉ ዓለም ፋሕ በሉ። ማትያስ ከኣ ሃገረ ስብከቱ ኣብ በላዕቲ ሰብ ዘለውዎ በጽሖ። ሰብ እታ ሃገር ልክዕ ከም ኣራዊት ስጋ ናይ ሰብ ዝበልዑ ነበሩ። ማትያስ ኣብታ ሃገር በጺሑ ኣብ ኣደባባይ ናይታ ሃገር ኮይኑ ክምህር ከሎ ሒዞም ዓይኑ ጎጥጒጦም ኣውጽእዎ ልክዕ ከም ሳዕሪ ከም እትበልዕ ላም ሳዕሪ ቀሪቦም ኣብ ዑጽው ቤት ኣቐመጥዎ። ከኣሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ግና ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ኣዒንቱ ናብ ንቡር መለሰሉ፡ካብ ማእሰርቱ ፈቲሑ ድማ ዳግማይ ከም ዝምህር ገበሮ። ናብ ጐይታ ለመነ ከኣ ካብ ሰማይ ዝናብ መጺኡ ነቶም ሰብ ናይታ ሃገር ክሳዕ ክሳዶም ከም ዝበጽሖም ገበረ። እዚ ምስ ወረዶም ድማ ስራሕ እግዚኣብሔር ድንቂ ምዃኑ ርእዮም ናብ እግዚኣብሔር ኣሚኖም ተጠምቁ።

እቲ ዝነበረ ባህርይ ጠፍኣሎም ልክዕ ናብቲ ናይ ቀደም ባህሪኦም ድማ ተመልሱ፡ ስጋ ሰብ ምብላዕ ሓዲጎም እንጀራ ምብላዕ ጀመሩ።ሓዋርያ ማትያስ ድማ ንብዙኃት ካብኣቶም ምሂሩ ዲያቆናትን ቀሳውስትን ሸመሎም፡ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሑ ድማ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ከምዝበልዑን ከም ዝሰትዩን ገበረ። “ከዊኖ ማትያስ በላዕለ እኩያን ኄረ፡ ሥጋ ወልድ ቅዱስ ሴስዮሙ ወደሞ ክቡረ ትወላጠ ሴሰይዎ ሎቱ ከመላህም ሣዕር”።

ሰላሳ ዓመት ድሕሪ ምምሃሩ ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ቦታ ከብጽሕ ናብ ደማስቆ ወረደ። ኣረማውያን ሒዞም ብሓጺን ኣርሲኖም ዕስራን ኣርባዕተን መዓልታት ኣሳቐይዎ፡ ንሱ ግና ገጹን ሰብነቱን ኣዚዩ ደሚቑ ይረአ ነበረ። ነዚ ዝረኣዩ ኣረማውያን ብናይ ክርስቶስ ወንጌል ኣሚኖም ተጠመቑ። ኣብ መጨረሽታ ኣብ ፍልዋን እትብሃል ዓዲ ምስ ከደ ብሽምግልና ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸትን ናይ ቅዱስ ሓዋርያ ማትያስ ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን።

 

Leave a comment

Send a Comment