በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን!
፳፮.26 የካቲት ዕረፍቱ “ነቢይ ሆሴዕ”
ሆሴዕ ማለት መድኃኒት ማለት ኪኸውን ከሎ ስም ኣቦኡ ብኤርም ይብሃል። ነቢይ ሆሴዕ ኣብ ዘመን እቶም 4 ነገሥታት ማለት ዖዝያን፡ ኢዮኣታም፡ ኣካዝ፡ ሕዝቅያስን ካብ 787 ክሳዕ 697 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ነበረ። ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ሓንቲ ኣመንዝራ ጎሜር ጓል ቤዴልይም ተመርዕዩ ኢስራኤል ዝተባህለ ወዲ ወለደ። ትርጉሙ ናይ ሕዝበ እስራኤል ወቐሳ ኾይኑ “እስራኤል ኣይኮነን” ማለት እዩ። ከምዚ ኸብሎ ዝኸኣለ ኸኣ እግዚኣብሔር ንእስራኤል ሕዝበይ ብምባል እዚ ዅሉ ኻብ መግዛእቲ ኣውፂኡ 40 ዓመት ካብ ሰማይ መና መጊቡ ዝኣሊ ገዲፎዎም፡ ጣዖታት ስለ ዘምለኹ እዩ።
ደጊሙ’ውን ጓል ወለደ። ንኣኣ’ውን ልክዕ ከምቲ ናይ’ቲ ወዲ ብዝመሳሰል ስም ሰመያ ማለት “ኢሥህልት” በላ። (ምሕረት ዘኣልባ) ምሕረት ዘይብላ (ምሕረት ዚበሃል ዘይትፈልጥ) ማለት እዩ። ሕዝበ እስራኤል “ስለምንታይ ኢሥህልት ኢልካያ፧” እንተበልዎ፡ “ንስኻትኩም ምሑራት ተባሂልኩም ከተብቅዑ ምሕረት ኣይንደልን ኢልኩም ጣዖት ስለ ዘምለኽኩም ኢሥህልት ኢለ ሰምየያ” በለ።
ሣልሳይ ወዲ’ውን ወለደ’ሞ ንእኡ ውን ብተመሳሳሊ “ኢሕዝብየ” ኢሉ ሰመዮ። ሕጂ’ውን “ስለምንታይ ኢሕዝበየ ኢልካ ስም ኣውፂእካሉ፧” እንተበልዎ፡ ነቢይ ሆሴዕ “ንስኻትኩም ሕዝበ እግዚኣብሔር ትበሃሉ ዝነበርኩም ኃጢኣት ሠሪሕኩም፡ ጣዖት ኣምሊኽኩም፡ ሕዝበይ ኣይኮንኩምን ናይ ምባልኩም ኣብነት ኢለ እየ ኢሕዝበየ ሰምየዮ ዘሎኹ” በሎም። “ወበልዎ ለእኁክሙ ሕዝብየ፡ ወለእኅትክሙ ሥህልት”፡ “ነቲ ኢሕዝብየ ዝተባህለ ወደይ ኃውኹም ሕዝበይ በልዎ፡ ነታ ኢሥህልት ዝተባህለት ጓለይ ኃውትኹም ከኣ ምሕረት ዘለዎ ኢልኩም ጸውዕዋ” በሎም።
ነቢይ ሆሴዕ ንእስራኤል በታ ኣመንዝራ ሰበይቱ ኸም ዘመሳሰሎም
እግዚኣብሔር ብነቢይ ሆሴዕ ገይሩ ንእስራኤል ኪዛረብ ምስ ጀመረ፡ ንነቢይ ሆሴዕ “እታ ሃገር እስራኤል ንኣይ ክሒዳ ንጣዖት ተምልኽ ኣላ እሞ፡ ንስኻ ኸኣ ኺድ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣእቱ። ኻብኣ ድማ ዘመውቲ ውሉድ ውለድ” በሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንጎሜር ዝተመርዓዋ።
ጎሜር ንነቢይ ሆሴዕ ከም ዝኸሓደቶ (ዝጠለመቶ) ቤት እስራኤል ከኣ ንእግዚኣብሔር ከም ዝኸሓደት ብምሳሌ ኺናገር ከሎ ኸምዚ ይብል “ደቀይ ድኅሪ ሕጂ ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን። ኣነ ውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፡ ምንዝርንኣን ዝሙታን ክትገድፍ ለምንዋ፡ እንተዘይኮነስ ጥራሕ ነፍሳ ዕርቃና ኽቐልዓ እየ። ብጽምኢ ማይ ድማ ኽቐትላ እየ። ንስኻትኩም ድማ ደቃ ደቂ ምንዝርና ኢኹም እሞ፡ ኣይምሕረኩምን እየ፡ ኣዴኹም መንዚራ እያ፡ ንኣኻትኩም’ውን ብነውሪ እያ ዝጠነሰትኩም። ንሳ ደድኅሪ እቶም እንጌራይን ማየይን ጸምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዚህቡኒ ፈተውተይ መምለኽቲ ጣዖት ክኸይድ እየ በለት። ስለዚ ንጎድንታታ ብእሾኽ ክሓጽሮ፡ ንመገድታታ ከይተርክቦ ኸኣ መንደቕ ነዲቐ ክዓግታ እየ። ደድኅሪ ፈተውታ ክትጎዪ እያ፡ ግና’ኸ ኣይከተርክቦምን እያ። ክትደልዮም እያ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ ንሳ ደጊም ናብቲ ናይ ቀደም ፈጣሪየይ (ሰብኣየይ) እግዚኣብሔር ክምለስ እየ ኽትብል እያ” እናበለ ንቤት እስራኤል ብኣመንዝራ ሰበይቲ ገይሩ መሃረ።
ነቢይ ሆሴዕን እታ ኻልኣይቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ቤተ ይሁዳን
እግዚኣብሔር ከኣ ኺድ እሞ ኸም ብሓድሽ ንሓንቲ ምስ ፈተውታ እትዝሙ ሰበይቲ ፍቶ በለኒ። ንሱ ኸኣ ብ15 (ዲናር) ብሩርን ብሓደ ኩንታልን ፈረቓን ስገም ሂቡ ተሓጽያ። “ንብዙኅ መዓልትታት ተጸበዪኒ፡ ኣይትመንዝሪ፡ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፡ ኣነ’ውን ክጽበየኪ እየ” በላ”።
ከምኡ ኸኣ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉሥን ሓለቓን መሥዋዕትን ምስልን ኤፎድን ተራፊምን ብዙኅ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም። ደኃር እዚ ዅሉ ምስ ረኣዩ ግና ናብ እግዚኣብሔር ዚምለሱለን መዓልትታት ኪመጽኣ እየን። ሽዑ ንእግዚኣብሔር ኣምላኾም ኪፈርሕዎ እዮም። በረኸቱ ድማ ኺቕበሉ እዮም ኢሉ ተነበየ።
ነቢይ ሆሴዕ ኣብ ይሁዳ ኦዝያን ኢዮኣታምን ኣሃዝን ሕዝቅያስን ነጊሦም ከለዉ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ፡ ኢዮርብዓም ወዲ ዮኣስ ነጊሡ ኸሎ እዩ ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዐ። 14 ምዕራፋት ዘለዎ መጽሓፍ ኸኣ ጽሒፉ ኣሎ።
ምንጪ መጽሓፍ ኣሰር ቅዱሳን
ጸሎትን በረኸትን ነቢይ ሆሴዕ፡ ጻድቕ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ከምኡ ውን ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!

